Friday, March 14, 2025

ፕረዚደንት ሶማል ንስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣደስኪሉ

ፕረዚደንት ሶማል ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ’ታ ሃገር ከምዘደስከሎ ክፍለጥ ከሎ፡ በዚ ኣብ ሞንጎ ‘ዞም ክልተ ብዝካየድ ዘሎ ናይ ስልጣን ቅሩቑስ ፖለቲካዊ ናዕቢ ከይክሰት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እቶም መራሕቲ ሶማል ነቲ ኩነታት ከተሃዳድኡ ጸዊዐን።

ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ሶማል፡ ንስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ዘደስከለሉ ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ “ ቀዳማይ መሓመድ ሑሴን ሮብለ ኣብ ብልሽወና ከምዝተሳተፈን መሬት ህዝቢ ድማ ብዘይ ኣገባብ ብምጥቃሙን ምርመራ ይግበረሉ ኣሎ” ምህላዉ ክሕብር ከሎ፡ ብተወሳኺ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ስልጣንን ሓላፍነት ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳብ ውጺኢት እቲ መርመራ ደስኪሉ ኣሎ” ክብል ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፡ መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ ብወገኑ ኣብ ስርቂ ናይ ህዝቢ መሬትን ምትእታው ካልእን፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝግበር መርመራ ኢድ ኣታውነት ከምዝገብረ ይኸሶ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል እቲ ፕርዚደንት፥ “ቅዋምን ካልኦት ሕግታትን ዝጠሓሰ እዩ” ክብል ብመንገዲ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ መራሕቲ ሶማል ዘሎ ናይ ስልጣን ቁሩቁስ፡ ብሰንኪ እቲ ተዶናጉዩ ዘሎ ምርጫ ናይ’ታ ሃገር ከምዝኾነ ይሕበር። ፕርዚደንት ሶማል ነበር ብወገኑ፡ ነቲ ብፕረዝደንት ዓብደላሂ ፋርማጆ ዝተወስደ ስጉምቲ ኣመልኪቱ ኣብዝሃቦ ቃል፡ “ወተሃደራዊ ዕልዋ” ብምባል ኮኒንዎ። ብተወሳኺ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሶማል፡ መራሕቲ ሶማል ነዚ ኩነታት ከተሃድድኡ ክምሕጸን ከሎ፡ “ኣምበሳድር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ’ታ ሃገር “ናዕቢ ቅቡል ኣይኮነን” ብምባል፡ እቶም መራሕቲ ነቲ ወጥሪ ከህድኡ ጸዊዓ።

ኣብ ፖሎቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ዘላ ሶማል ዳግም ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይተምርሕ ስግኣት ሰፊንወን ካብ ዘለዋ ሃገራት እያ።

SETIT
SETIThttps://www.setit.org
Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned journalists is dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

1 × three =

Stay Connected

7,387FansLike
320FollowersFollow
939FollowersFollow
23,000SubscribersSubscribe

From the author