Friday, March 14, 2025

ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጽኑዕ ሓደጋ ወራር ኣንበጣ ከምዘሎ ተሓቢሩ 

locust in africaብመሰረት ካብ ዓለማዊ ውድብ ሕርሻ( FAO) ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓደጋ ወራር ኣንበጣ ከምዘለዋ ተፈሊጡ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶማል፡ ደቡባዊ ጅቡቲ፡ ምብራቕ ኢትዮጵያን ሰሜናዊ ምብራቅ ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ኣብ ምብራቅ ክልል ኣምሓራን ዕስለ ኣንበጣ ብብዝሒ ይረአ ምህላው እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ኣፍሊጡ ኣሎ። 

ብተወሳኺ ውድብ መግቢ ዓለም (FAO) ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ካብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ክሳብ ሕምብርቲ ሱዳን ዝዝርጋሕ ተርእዮ ዕስለ ኣንበጣ ክህሉ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ። 

ዓለማዊ ውድብ ሕሪሻን መግብን(FAO)  ኣብዚ እዋን ብዝገብሮ ዘሎ መስረሕ ምክትታል፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መስከረም ዝርግሐ ዕስለ ኣንበጣ ካብ ንቡር ንልዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ክሕብር ከሎ፡ ነዚ ዝርግሐ ወሳኒ ሮቛሒ ዝኸውን ድማ ደረጃ ምፍራይ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ከባቢታት ዓፋር ከምዝኾነ ብተወሳኺ ይሕብር። 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብከቢድ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተጸልያ ከምዝነበረት ዝዝከር ኮይኑ፡ ሃገራት ናይቲ ዞባ ምስ ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን ብምዃን ሰፊሕ ናይ ምቑጽጻር ወፈራታት ከምዝገበራ ይንገር። ክሳብ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ዝኸውን፡ ብተወሳኺ ዓለማዊ ውድብ መግብን ሕርሻን፡ ንምክትታልን ምቑጽጻርን ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዉዕል 38.8 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ንምርካብ ጸዊዑ ምንባሩ ጸብጻባት ናይ’ቲ ውድብ የመልክቱ።

SETIT
SETIThttps://www.setit.org
Setit is an independent news organization based outside Eritrea established in August 2020, with a steadfast commitment to the people and issues of Eritrea. Our team of seasoned journalists is dedicated to providing in-depth, insightful, and impactful coverage of Eritrea and its related issues, illuminating the complex and dynamic world of Eritrea for our readers.

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

three × 1 =

Stay Connected

7,387FansLike
320FollowersFollow
939FollowersFollow
23,000SubscribersSubscribe

From the author