ዘይድምሰስ ጽሑፍ
ኣብቲ ጎደና ረጊጽካኒ ሓሊፍካ
ደድሕሬኻ ስዒበ ሓቚፈ ስዒመካ
ምስክር ክትከውን ብግብሪ ከርእየካ
ልበይ ከም ዘይኮነ ከም ልብኻ።
***** *****
ክትቀትለኒ ንቤተይ ኳሕኲሕካ
በረይ ከፊተ እንጀራ ቀሪበልካ
ካባኻ ከም ዝሕይል
መታን ከርእየካ
ብፍቕሪ ቀቲለካ።
***** *****
ህይወትካ ረሲዕካ
ኣብ ህይወተይ’ናነብርካ
ብጭዃሮ ሕመቕ
ዝፍሓርካዮ ጉድጓድ
…
ወዝቢ… ብዘይተጸበኻዮ
ተዓንቂፍካ ቅድመይ ምስ ኣተኻዮ
ብክብሪ ቀቢረካ ነቢዐ ናይ ልበይ
ከምኡ ብምዃኑ ትርጉም ናይ ምፍጣረይ
ግብረይ ድማ ስለ ዝጽሓፍ ድሕሪ ስመይ ።
***** ጸጋይ መሓሪ *******
For More Videos Please SUBSCRIBE Here:
https://www.youtube.com/c/SETITMEDIA
Connect with Us.
website: https://setit.org/
Email: [email protected]
Facebook Page: https://www.facebook.com/SetitMedia/
Twitter: https://twitter.com/SetitMedia
Instagram: https://www.instagram.com/setitmedia/
©2022 Setit Media – All Rights Reserved