ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቅል ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ መዓልታዊ ንከታተሎ ዘለና እዩ። ኣብ ክልል ዓፋር ብሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዘካይድሉ ዘሎ እዋን፡ ኣሻሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ንሞት ክቃልዑ ከለው፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝርከባ መዓስከራት ዝነብሩ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጌና ስንብራትን ደበናን ኲናት ዘንጸላልወሉ ዘሎ ኩነታት ትግራይ፡ ብጥምየት፡ ሕጽረት ቀረብ መድሃኒትን ሕክምናን ይሞቱን ይሳቐዩን ከምዘለው ዓለም ዝፈልጦን፡ መዛግብቲ ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንስደተኛታት ዝምስክሮን ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ድማ፡ ወዓል ሕደር ዘየድልዮን ዘስካሕክሕ ኩነታት እዮም ዝርከቡ።
Connect with Us.
website: https://setit.org/
Email: [email protected]
Facebook Page: https://www.facebook.com/SetitMedia/
Twitter: https://twitter.com/SetitMedia
Instagram: https://www.instagram.com/setitmedia/
No reproduction and transmission of all and part of Setit media products in all forms without written permission of Setit Media, copyright holder.
ሰቲት ሚድያ ብግዱሳት ኤርትራዊያን ዝተመስረተት ናጻ ዘይመኽሰባዊት ትካል መራኸቢ ብዙሓን’ዩ። ሰቲት ካብ ማሃሪ ሓበሬታ ምስናቕ፡ ክብርታትን ባህላታትን ምዕቃብን፡ ብዙሕነት ናይ ኣተሓሳስባን ምጽውዋርን ንምዕባይ ኣብ ዝብል መትከላት ዝተመስረተት ናይ ሚድያ ትካል ኢያ። ሰቲት ብተፍርዮም ትሕዝቶ ሚድያ ኣብ ኤርትራ ፍትሒ፡ ናጽነት፡ መሰል ዜጋን ዲሞክራስን ክረጋገጽ ትጉስጉስ። ቐንዲ ዕላማን ዕማምን ሰቲት ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ፡ ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ድማ ብፍላይ፥ እዋናዊ፥ ኣብ ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ዘተኮረ ሃገራውን ዞባውን ምዕባሌታት ምድህሳስን፡ ታሪኽ ህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ምንጽብራቅን ኢዩ። ብመንጽር ‘ዚ ናይ ስራሕ ዕላማን ተበግሶን፡ ሰቲት መራኽቢ ብዙሓን ኣብ ሕብረተሰብናን ሃገርናን ኤርትራ፡ ርትዓዊን እወታውን ማሕበረ-ፖለቲካዊ ሎውጢ ክጎናጸፍ ትቓለስ።
©2022 Setit Media – All Rights Reserved