ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ንመላእ ዓለም ኣብ ዝሕምሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣኣብ ዘለናዮ ቦታታት፡ ልዑል ጥንቓቐታት ከንገብርን፡ ብሰብ ሞያ ጥዕናን ሰበ-ስልጣንን ዝወሃብ ዘሎ ምኽርታትን መምርሕታትን ድማ ኣብ ግብሪ ከነውዕልን ይግባእ። ካብ ጥዕናና ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየለ ኸኣ፡ ግቡእ ምክንኻን ነዘውትር። ሃገራትን ከባብያዊ ምምሕዳራትን ከከም ዝርግሐ ናይ’ቲ ለበዳ ዝተፈላለየ መምርሕታት ይወጽኣ ስለ ዘለዋ፡ ነቲ ዝወሃብ ሓበሬታ ብግቡእ ክንከታተልን ኣብ ተግባር ከነውዒልን ኣለና። በዚ ቫይረስ ተጠቕዕካ ማለት ክትሓዊ ኣይትኽእልን እኻ ማለት’ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ግቡእ ምክልኻል ብምግባር ነቲ መልኸፍቲ ከነወግዶ ዝከኣል እዩ’ሞ ጥንቕቕ ንበል።