Tuesday, February 20, 2024

ነዳዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መቐለ ተዘሪፉ

ብሮቡዕ 24 ነሓሰ 2022 ሓይልታት ትግራይ 570,000 (ሓሙሽተ ሚእትን ሳብዓን ሽሕ) ሊትሮ ነዳዲ ዝሓዛ 12 ምሉኣት ባጎኒታት ነዳዲ ከምዝዘረፉ ወሃቢ ቃል ጽሓፊ ውድብ ሕብራት ሃገራት ስተፈን ዱጃሪክ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይ’ቲ ወሃቢ ቃል ሓይልታት ትግራይ ናብ መኽዘን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብሓይሊ ከምዝኣተዉ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብቲ መኽዘን ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ነቲ ዘረፋ ክዓግቱ ከምዝፈተኑ ብምጥቃስ፤ እቲ ነዳዲ ኣብ ሰብኣዊ መዓላ፤ ማለት ምዕዳል መግቢን ዱኽዒን ንካልእ ህጹጽ ኩነታት ኪውዒል ጥራይ ዝተሓሰበ ክምዝኾነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይሕብር። ቀጺሉ ወሃቢ ቃል ጽሓፊ ውሕሃ፤ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘረፋ ነዳዲ ነቲ ኣቲ ትካል ዘካይዶ ንጥፈታት ሰብኣኢ ሓገዝ ክጽልዎ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።fueltunker
“ዝዀነ ይኹን ምዝራፍ ወይ ምግባት ናይ ግብረ-ሰናይ ኣቕሑ ወይ ናይ ግብረ-ሰናይ ትካላት ንዅንን: ንዅሎም እቶም ጕጅለታት ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ዘለዎም ግዴታታት ከኽብሩ ከምኡውን ሰራሕተኛታት ግብረ ሰናይ፤ ንጥፈታቶም; ሃብትን ኣቕሑን ከሕልው ንጽውዖም።” ይቢል ስተፈን ዱጃሪ ኣብዝሃቦ ሱሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ።

ወሲኹ ድማ ነቶም ኣብ ቅድመ-ግንባር ዘለው ሰላማዊያን ሰባት ትካሉ ሻቕሎት ከምዘለዎን ክሎም  ግጁለታት ድማ፤ ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕግታት ንሓለዋ ናይቶም ሰለማዊያን ሰባት ግዴታ ከምዘለዎም ኣዘኻኽሩ።
እዚ ተርእዮ ዘረፋ ነዳዲ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መቐለ ዘጋጥም ዘሎ፤ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዳግማይ ከምዝተወለዐ ኣብዝሕበረሉ ዘሎ ግዜ ኢዩ። ብሮቡዕ 24 ነሓሰ 2022 ኣጋ ወጋሕታ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፈደራልን ውግእ ዳግማይ ከምዝተጀመረ ትካላት ዜና ጸብጽበን ኣለዋ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

eighteen − 9 =

Stay Connected

7,418FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles