Tuesday, February 20, 2024

40 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝደሓኑ ተፈሊጡ

Open Arms ዝተባህለ፤ ናይ ስጳኛ ሂወት ኣድሕን ትካል ብመንገዲ ትዊተር ከምዝገለጾ፤ 40 ዝኾኑ፤ ካብ ኤርትራን ሱዳን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታ ኢታ ዝሳፈሩላ ዝነበሩ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ከምዝጠሓለት ተሓቢሩ።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ ትካል፤ እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ብሓሙስ 11 ነሓሰ ናብ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ከምዝተረከቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ምስቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት 2 ትሕተ ዕድመ ህጻናት ከምዝነበሩ Open Arms ኣፍሊጡ።
እቶም ስደተኛታት፤ ሓያል ንፋስን ከቢድ ኩነታት ባሕርን ዝነበሮ፤ ካብ ንጣልያን ንኣፍሪቃ ኣብ ዝቀርብ ኣብ ከባቢ ሲሲሊያን ዝተባህለ ደሴት ናይ ላምባዱሳ ከምዝደሓኑ ኢቲ ናይ ሂወት ኣድሕን ጉጁለ ኣብሪሁ።
Open Arms ዝተባህለ ትካል ሂወት ኣድሕን ስጳኛ፤ ዛጊት ካብ 2015 ጀሚሩ ልዕሊ 26,500 ስደተኛታት ኣድሒኑ ከምዘሎ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።
ካብ ዝተፈላላየ ሃገራት ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር ዝህቁኑ፤ ብዙሓት ስደተኛታት፤ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ግዳያት ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይገልጹ። ክሳብ ሕጂ ኤርትራውያን ሓዊሱ ቀጽሪ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ብማእከላይ ባሕሪ ናይ ዝሰገሩ ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 71 ሽሕ ክኸውን ከሎ 945 ዝኾኑ ድማ ዝሞቱን ሃለዋቶም ዝጠፍአን ኮይኖም ኣለው። ብምሰረት ሰነዳት ውድብ ሕብራት ሃገራት፤ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ፤ ኣስታት 4 ሽሕ ካብቶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ዝሰገሩ ኤርትራውያን ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ።

undataundata2

Related Articles

Stay Connected

7,418FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles