ቀዳም 3 ሰነ 2023 | 1:50 ድ.ቀ

NEWS:- ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ውድድር ኣድርያቲካ ሎሪኮ ቀዳማይ ብምውጻእ ዓወት ተጎናጺፉ

ሎሚ 5 ሰነ 2022 ኣብ ዝተካየደ ካልኣይ መድረኽ ውድድር ኣድርያቲካ ሎሪካ ናትናኤል ተስፋጽዮን ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

እዚመድረኽ ናይ 157.8 ኪሎ ሜትር ርሕቀት ዝነበሮ ኢጣላያውን ካዛኪስታናውን ተቀዳደምቲ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ተዓዊቶም።
ኣብዚ ካብ 3 ሰነ ጀሚሩ ኣብዝካየድ ዘሎ ውድድር፡ ሄኖክ ምሉብርሃን ገብረህይወት ኤፍሬምን ብርሃነ ገብረህይወት ውን ይሳተፉ ኣለው።

እዚ ኣብ ሃገረ ጣልያን ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኮይኑ ንሓሙሽተ መድረኻት ክቅጽል ኢዩ።