ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ሆስፒታል ዓይደር ኣጎልጉሎቱ ኣቋሪጹ

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ዝዓበየ መወከሲ ሆስፒታል ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን ኤለክትሪክን ስሩዕ ንጥፈታቱ ከም ዘቋረጸ ናይቲ ሆስፒታል ዳይረክተር ንቢቢሲ ሓቢሩ። ዶክተ ር ክብሮም ገብረስላሴ ሆስፒታል ዓይደር ድሕሪ እቲ ኣብቲ ክልል ንዓመትን መንፈቕን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣገልግሎት ክህብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ገሊጹ።

እቲ ሆስፒታል ሕጽረት መድሃኒትን ነዳድን ነቲ ንጥፈታት ከም ዘቋርጽ ገይርዎ ከም ዘሎ እዩ፡ ጸብጻብ ቢቢሲ ዝሕብር። እቲ ዶክተር ብተወሳኺ ኣብዚ ግዜ ኣብ ክልል ትግራይ ኤለክትሪክ ከምዘይለን፣ ኦክስጅን ምፍራይ እውን ኣቋርጾም ከምዘለውን ክሕብር ከሎ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሓካይም ብዘይ ደሞዝ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ ንገዛእ ርእሶም ኮነ ንስድራ ቤቶም ክከናኸኑ ከምዘይከኣሉ ዶክተር ክብሮም ሓቢሩ።

ነዚ ብትካል ዜና ቢቢሲ ዝወጸ ሓበሬታ ዝምልከት፡ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ. ቴድሮስ ኣድሓኖም ” እንኮ መወከሲ ሆስፒታል ናይ

ዶ.ቴድሮስ ኣድሓኖም

ትግራይ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ን ጀነሬተራትን ኣምቡላንስን፡ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ሕኪምናን መግብን፡ ናይ ምዕጻው ሓደጋ የጋጢማ ምህላዉ ትራጀዲ ኢዩ” ክቢል ድሕሪ ምግላጽ፡ ሰራሕተኛታት’ታ ሆስፒታል ብሰንኪጥምየት ከምዘወድቑ ጸብጻብ ከምዘለዎን ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ነቲ ክልል ካብ ዝቆጻጸርዎ ንደሓር፡ ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒት ሕክምና ይሞቱ ከምዘለው ይሕብር።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዝተወለዐ ኲናት ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቁጸሩ ህዝቢ፡ ግዳያት ሞት፡ ስንክልና፡ ጥምየት፡ ሕጽረት መድሃኒትን ስደትን ኮይኖም ከምዘለዉ ይፍለጥ። ብመሰረት ጸብጻባት ውድብ ሕብራት ሃገራት፡ ከም ሳዕቤን ናይ’ቲ ኣብ’ቲ ክልል ተወሊዑ ዘሎ ነውጺ፡ ልዕሊ 73 ሽሕ ኢትይጵያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቑባን ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ሱዳን ተዓቑቦም ከምዘለው ይንገር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

17 + 16 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

ኩነታትና 

0
ዓቅሊ ጽበት ውሽጥና፡ ንብሃረርታ ዝብህጎ ጽቡቅ ነገር ክሕዝ ጥራይ ዝመጣጠር ኣእዳው ድኣ እምበር፡ ነቲ ናብኡ ክበጽሕ ዝርገጽን፡ ዘይርገጽን ክርኢ ዝሕግዝ ብልሒ ክጥቀመሉ ኣይረኣይን። ነዚ...

NEWS:- ጥምረት ደምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጁለ 7 (G7)ን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ

0
ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ “ምሕያል ደሞክራሲ ኣብ ሃገራት ጉጁለ 7ን ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ሃገረ...

HOME:- ኤርትራውያን ስደተኛታት፤ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ከይኮኑ ይስጋእ

0
ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘቃለዖም ክኢላታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑጡቓት ክልል...

Latest Articles