ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- መግቢ ዝጸዓና 215 ቃፍላይ መካይን ናብ መቐለ ተበጊሰን

ብመሰረት ኣሾሸይትድ ፕረስ ዘስፈሮ ዜና፡ ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይን፡ እቲ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝግለጽ፡ 215 ናይ መግቢ ሓገዝ ዝጸዓና ቃፍላይ መካይን፡ ብዓርቢ 27 ግንቦት ካብ ከተማ ሳማራ ተበጊሰን ከምዘለዋን፡ ብቀዳም 28 ግንቦት ድማ መቐለ ክበጽሓ ትጽቢት ከምዝግበርን ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካላት፡ ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድሊ ክሕብሩ ከለው፡ ውድብ መግቢ ዓለም ድማ፡ ን 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ንምዕንጋል ኣብ ሰሙን 500 መግቢ ዝጸዓና መካይን ከምዘድልያ ገሊጹ ይርከብ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው ክከኣል በይናዊ ውሳነ ምቁራጽ ተጻበኦታት ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ትግራይ ዝርከብ መርሒነት ብወገኑ ነቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ብምቅባል፡ ናይ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝኣወጁ ይዝከር። ብተወሳኺ መራሕቲ ህወሓት፡ ትግራይ ኣብ ከበባ ምህላዋን፡ ዝኾነ መግቢ ይኹን ካልእ ቀረባት ኣብቲ ክልል የለን ከምዘየለ ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ስቪላዊ ህዝቢ ንጥሜትን ዓጸቦን፡ ሕጽረት መግብን ተቃሊዑ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ኣሜርካ እትርከብን ሃገራት፡ ናብ ክልል ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱ ክጽውዓ ምጽንሐን ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

four − one =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

ኩነታትና 

0
ዓቅሊ ጽበት ውሽጥና፡ ንብሃረርታ ዝብህጎ ጽቡቅ ነገር ክሕዝ ጥራይ ዝመጣጠር ኣእዳው ድኣ እምበር፡ ነቲ ናብኡ ክበጽሕ ዝርገጽን፡ ዘይርገጽን ክርኢ ዝሕግዝ ብልሒ ክጥቀመሉ ኣይረኣይን። ነዚ...

NEWS:- ጥምረት ደምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጁለ 7 (G7)ን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ

0
ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ “ምሕያል ደሞክራሲ ኣብ ሃገራት ጉጁለ 7ን ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ሃገረ...

HOME:- ኤርትራውያን ስደተኛታት፤ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ከይኮኑ ይስጋእ

0
ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘቃለዖም ክኢላታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑጡቓት ክልል...

Latest Articles