ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብ ድምጺ ተሳዒሩ ካብ ፕረዚደንታዊ ስልጣኑ ዝተኣለየ፡ ሓሰን ሼክ መሓመድ፡ ሰንበት 15 ግንቦት 2022 ኣብ ዝተገብረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፡ ከምዝተዓወተ፡ ምንጭታት ካብታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ።
ሓሰን ሼክ መሓመድ፡ ሎሚ ፐረዚደንት ሶማል ኮይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ መሓመድ ፋርማጆ ብምስዓር ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት ፕረዚደንት ሃገር ሶማል ኮይኑ ክመርሕ እዩ።
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል: ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ለካቲት ክካያድ እካ ዝግብኦ እንተ ነበረ፡ ብሰንኪ ዝተፈላልዩ ናይ መሳላጥያ ሕጽረትን፡ ናይ ስልጣን ግርጭትታ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ክናዋሕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።
ኣብ ሶማል ብሰንኪ እዚ ምርጫ ከቢድ ሕንፍሽፍሽ ከይፍጠር ተሰጊኡ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ከተማ መቃድሾ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣውጅላ ከምዝወዓለ ይሕበር።