Wednesday, February 21, 2024

ሰቲት ሚድያ ኣብ ኣሰሮም፡ ኣስር አሱራት ጀጋኑ ጋዜጠኛታት ኤርትራ

ሰቲት ሚድያ ኣብ ኣሰሮም፡ ኣስር አሱራት ጀጋኑ ጋዜጠኛታት ኤርትራ

ኣድላይነት ጽጹይ ሓበሬታ አንዳ ዓዘዘ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ግዜ፡ ህላወ ናጻ፡ ርትዓዊን ተሓታትን መራኸቢ ብዙሓን ምህናጽን ምውሓስን ኣብ ዝሓትት መድረኽ ንርከብ። ወትሩ ንሓለዋ ፍትሒ፡ መሰል ከይጋሃሱ፡ ድምጺ ህዝቢ ድማ ከይ ዕበስ ዝሕልው፡ ብሕብረ ብዙሕነታዊ ኣርኣያታት ዝቆመ መራኸቢ ብዙሓን ምህናጽን ምዕቃብን ይሓትት፡፡ ኣብ መስረሕ ምንዳይን ምውሓስን ደሞክራሳያዊ ለውጢ ዝጻወቶ ተራ ድማ፡ ቀዳምነት ዝስራዕ ኢዩ። ዓንዲ ሕቆ ዲሞክራሲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሓን፡  ኣብ ሓበሬታ ምስናቕ፡ ክትዓት ምብርባርን ሃናጺ ነቐፌታት ኣብ ምትብባዕን ይዋፈር። መን፡ ምዓስ፡ ኣበይ፡ ንምንታይን ብኸመይን ዝብሉ፡ መሰረታዊያን ሕቶታት ብምልዓል፡ በቲ ሕብሪታቱ፥ ክፋል ዘይኮነስ፡ ምሉእ ምስሊ ናይ ፍጻሜታት ዝቐብእ፡ በቲ ኣቐራርብኡ ድማ፡ ርትዓዊን ሓላፍነት ዝሓትትን ሓላፍነት ዘሰክምን መድረኽ ምህናጽ፡ ግዴታ ናይ ናጻን ዘይሸራውን መራኽቢ ብዙሓን ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ እነሆ ኣብ መሰረታዊያን ስነ-ምግባር ዓውዲ ጋዜጠኝነት ዝኣምን፡ ርትዓዊን ሓላፍነት ዘሰክምን መራኸቢ ብዙሓን ንምዃን ሰቲት ተመስሪታ ኣላ።

ስቲት፡ ኣብ ኣሰር ናይ’ታ ፡ ድሕሪ ናይ 1996 ኣዋጅ ናጻ ፕረስ፡ ዝተሓትመት ቀዳመይቲ  ብሕታዊት ጋዜጣ ሰቲትን ድሒረን ዝፈረያን ጋዜጣታት ክትምርሽ፡ ነቲ ቅድሚ 19 ዓመታት ንዝቀሃመ ሽግ ናጻን ሃናጽን ሓሳብካ ምግላጽ መሊሳ ንምኹላዕን፡ ምስ ህልዉ መድረኻዊ ወድዓዊነት ብሪትዕን ሓላፍነትን ንኽትጽመድ፡ ፈላሚ መደባታ ናባኹም ናብ ተኸታተልቲ ትዝርግሕ። ሰቲት ኣሰር ናይተን ሰሉስ 18 መስከረም 2001፡ ብስርዓት መንግስቲ ህግደፍ ዝትዓጽዋ  ጋዜጣታት ኮይና፡ ሓድጊን መቀጸልታን ሚድያዊ ስራሓት ናይቶም ልዕሊ 16 ዝኾኑ ኡሱራት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብዝብል ሓሳብ፡ ምስ’ዚ ዘለናዮ መዋእል ዝሳነ ኣገባብ፡ ነቂላ ኣሳታፊ ሜዲያዊ መደባታ ትሕንጽጽ።

ኣሰር ናይቶም፥ ብመንገዲ ሰቲት፡ ዘመን ፡መቃልሕ፡ ቀስተ-ደመና፡ ኣድማስ፡ ጽጌናይን ካልኦትን ናይ ዝተዓፈናን፡ ንኣስታት 19 ዓመት ኣብ ማአሰርቲ ዝሳቀዩ ዘለውን ጀጋኑ ጋዜጤኛታት ኤርትራ፥ ዳዊት ኢሳቕ፡ ዩሱፍ መሓመድ ዓሊ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማቲዎስ ሃብተኣብ፡ ኢድሪስ ኣብ ዓረ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ስዩም ጽሃየ፡ ሓሚድ መሓመድ፡ ፍሳሃየ የውሃንስ ጃሾዋን ካልኦትን ንፍትሕን ርትዒን ነቂላ ትርከብ።

ሰቲት ነቲ ኣብዚ መድረኽ ቦዂሩ ንዘሎ፡ ርትዓዊነትን ኣሳታፍነትን ንምውሓስ፡ ነቲ ዝጸነሐ ሃጓፍ ንምምላእ ተበጊሳ ኣላ። ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓውን ደሞክራሳውን ለውጢ ተሓሪምዎ፡ ኣንጻር ክሎም ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸሙን ዝፍጸሙን ዘለዉን ግህሰታትን ዝበኸሩ ስብኣዊን ደሞክራስያውን መሰላትን ንምርግጋጽ ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ መደረኽ፡ ኣብ ጉዕዞ፡ ድምጹ ከይተዓብሰ፡ መሰሉ ከይተጋህሰ ክቓለስ፡ ሰቲት ርትዓዊነት ተቀኒታ፡  ሓላፍነታዊ ግዴታ ተሰኪማ ክትዓይ ተበጊሳ ትርከብ።

ጉዳይ ህዝቢን ሃገርን፡ ብዝደበነ መነጸርን ጸቢብን ኣረኣአያ ዝጥመቱ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ በሪኽ ወጺእካ ብንጹር ክመላኸቱ ዝግቦኦም እዮም። ሰቲት ድማ፡ ክሉ ዓይነት ሕቶ ህዝቢ፡ በቶም መሰረታዊያን ሕቶታት ጋዜጠኝነት ተበዲሆም፡ ንጹር ምስሊ መታን ክሂቡ ክትሰርሕ ኢያ። ሰቲት ጸግዒ ናይ ዝኾነ መልክዕ ኣወዳድባ ምዃን ሕርያኣ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብ’ዚ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ንደሞክራስያዊን ማሕበራዊን ለውጢ፡ ምስ ህሉው ነጸብራቕ ሕብረተሰብናን ሓቂን ርትዕን ተወዲባ ክትቓለስ ‘ያ። እዚ ማለት፡ ብኹሉ መለክዕታት ሰቲት ኣንጻር ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይ ፍትሓዊን ዘይ ደሞክራሳዊ ስርዓትን መሪሕነትን  መርገጺኣ ንጹር ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ተሓሪምዎ ዘሎ ሰብእዊ መሰላት፡ ፍትሕን ናጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ንኽጎናጸፍ፡ እነሆ ሳውራ ሪትዓውን ኣሳታፍን መራኸቢ ብዙሓን ከም ዝፈለመቶ ተበስር።

ህዝቢ ኤርትራ  ሓደጋ መድረኻዊ ብድሆታት ኣብ ዘንጸላለወሉ ዘሎ ህሞት፡ ስቅያት ህዝብና ምቅላዕ፡ መስርሕ ቃልሲ ንፍትሒ፡ ኣንጻር ዓመጽን ጭቆናን ንምሕያል፡ ሰቲት ልዑል ግደ ክተበርኪት ኢያ። ሰቲት፡ ኣብ መስሪሕ እዚ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ድማ፡ መትከላት ደሞክራስያዊን ሰብኣዊን   መሰላት ይሕለው ኣለዉ ዶ? ብዙሕነታትዊ ኣረኣያታት ይኽበሩ ኣለዉ ዶ የለዉን? ብምሕታት፡ ብዓብዩ ታሪኽ እንዳ ሰነድካ ህሉው ዳህሲስካ፡ ንሓበራዊ ደሞክራስያዊ መጻኢ ምቕላስ ሓደ ካብ’ቲ ዕላማኣ ኢዩ።

 

ኣስርን ሐድርን ናይቶም ኣብ ቤት ማእስርቲ ብዘይ ፍርዲ ዝሳቀዩ ዘለው ጅጋኑ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ምኽታል፡ ቀሊል ዕማም ‘ኳ እንተ ዘይኮነ፡ ሰቲት፥ ብተሳትፎ ናይ ክሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝይዕወት ዕላማ ከም ዘየሎ ትኣምን። ህዝብታት ሓቢሮም ሕሉፍ ታሪኾም ክስንዱ፡ ህሉው ኩነታት ክመዝኑ፡ ንመጻኢ’ውን ሓበራዊ ታሪኽ ክሰርሑ ከም ዝኽእሉን ጽኑዕ እሙንቶ ሰቲት ‘ዩ። ኣብ’ዚ ሓበራዊ ጉዕዞ፡ ክብን ለጠቕን ከምዝህሉ ዘይሰሓት ኮይኑ፡ ነቲ ጉዕዞ፡ ብርትዓዊን ሓላፍነታዊን መንገዲ ብምሓዝ፡ ብሃናጽን ትካላዊን ኣሰራርሓ ዝቅየድ ኣካይዳ መርሓን መባእታዊ ድልድልን ሰቲት ኢዩ።

 

ሰቲት፡ ብኽሎም ሕብሪታትን ኣረኣእያታትን ዝተቐብአ፡ ሓበራዊ ርዲኢት ምዕባይ ኣውራ ስርሓ ሰሪዓ እነሆ ትመጸኩም ኣላ። ኣብዚ ድጂታላዊ መዋእል፡ ደወል ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ኣብ ጁባ ነፍሲ ወክፍኩም ንምቕጫልን ኣብ መሳኹቲ ተለቪዥናትኩም ንምንጽባርቕን መደባታ ሰሪዓ ደበኽ ትቢል ኣላ። ንርትዓዊነት፡  ንሓበሬታ፡ ንፍልጠት፡ንፍትሒ፡ ንዕብየት፡ ሃናጺ ነቀፌታት፡ ንስነዳ ታሪኽ፡ ተሓታትነትን ተጻዋርነትን ሰቲት ሚድያ ተወከሱ። ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ከምዝብሃል፡ ሰቲት ሚድያ፡ ከም ፈለግ ሰቲት፥ ዘይነጽፍን ቀጻልን ዋሕዚ ሓበሬታ ክህሉ ኣብ ኣሰር ናይ’ተን ዝተዓበሳ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ ተበጊሳ ኣላ። ሰናይ ጉዕዞ ንኹልና።

1 ንሓሰ 2020

ሰቲት ሜዲያ

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

seven − four =

Stay Connected

7,416FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles