ቀዳም 3 ሰነ 2023 | 12:29 ድ.ቀ

HOME:- ቛንቋ ትግርኛ ናብ ከብሕታት መሳርሒ ምትርጓም ጐግል ተጸንቢሩ

ኣብ መፋርቅ ዓመተ 2020 ዝጀመረ ጎስጓስ ን ቋንቋ ትግሪኛ ኣብ ከብሕታት ጐጉል ምቱርጋም መሳርሒ(Google translate)፡ ድሕሪ ልዕሊ ዕስራ ሽሕ ናይ ምሕጽንታ ፊርማታት ዝሓዘለ ደብዳቤ ናብ ትካል ጐጉልን፡ ብተሳትፎ ወለንተኛታት ኣብቲ መሰርሕን፡ ብ ዕለት 11 ግንቦት 2022 ምስቶም ኣቀዲሞም ኣብ ከብሕታት ጐጉል ምትርጓም ዝነበሩ ቛንቋታት ተጸንቢሩ።

ብመሰረት ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ካብ ትካል ጐጉል፡ ቋንቃ ትግሪኛ ሓዊስካ 24 ቛንቋታት ናብቲ ከብሒ ከምዝተጸንብሩን፡ ኣስታት ሰለስተ ሚኢቲ ሚሊዮን ጠቅላላ ድምር ተዛረብቲ ከምዝውክሉን ይሕብር።

ቓንቃ ትግሪኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ ደሚርካ ኣስታት ሾመንተ ሚሊዮን ተዛረብቲ ከምዘለዎ እቲ መግለጺ ይሕበር።

ከብሕታት ጐጉል ምትርጓም መሳርሒ (Google translate)፡ ኣብ 2006 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ምስዞም ሓደሽቲ ዝተጸንበሩ ቛንቋታት ደሚርካ፡ ሚኢትን ሳላስ ሰለስተን ዝኣኽሉ ቛንቋታት ሓቂፉ ከምዝርከብ እቲ መግለጺ ይሕብር።

10 ርእይቶታት