ሶኒ 27 መጋቢት 2023 | 9:09 ድ.ቀ

HOME:- ቢንያም ግርማይ ክሳብ 2026 ምስ ቤልጅማዊት ክለቡ ኢንተርማርች ዎንትይ ጎቦርት ዘጽንሖ ውዑል ፈሪሙ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዑል ብቅዓት ብምርኣይ ታሪኽ ዝሰርሐ፡ ምስ ቤልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዎንትይ ጎቦርት ዝቀዳደም፡ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ምስ ክለቡ ክሳብ 2026 ዘጽንሖ ውዕል ከምዝፈረመ፡ እታ ክለብ ኣብ ወግዓውያን መርበብ ሓበሬትኣ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ ገሊጻ።

ክለብ ኢንተርማርች-ዋግ ኣብቲ ጽሑፍ ቢንያም ግርማይ ኣብ ገዝኡ፡ ማለት ክለቡ ዘጽንሖ ውዑል ብምፍራሙ ሓጎሶም ገሊጾም።

ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ናይ መጀመርታ ዓወት ንኤርትራ ዘግዘማ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድራት ክላሲክ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃውን ጸሊምን ተቐዳዳማይ ነዚ ዓወት ክሓፍስ ዝኸኣለ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ ይርከብ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ውድድራቶም ዘሰላስሉ ዘለዉ ፕሮፈሽናላት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ኣደናዊ ዓወታት የመዝግቡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

መውሃቢ ርእይቶ

ርእይቶ ኣብዚ
ስምኩም ኣብዚ