ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HEALTH:- ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ንሞት ተቓሊዖም

ኣብ ኢትዮጵያን ሶማልን ብድሙሩ ኣስታት 351,900 ህጻናት ዝሞቱን ንሞት ዝተቓልዑን ኮይኖም ከምዘለው ማዕከናት ዜና ዓለም ጸብጺበን።
በዚ መሰረት ኣብቲ ብውግእ ሓድሕድ ኣብ ዝሕመስ ዘሎ ክልል ትግራይ ብውሑዱ 1900 ህጻናት ከምዝሞቱ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ሓበሬታ ኣብቲ ክልል ብሰብ መዚ ጥዕና ብዝተኻየደ ዳህሳስ ዝተረኽበ ምዃኑ ኣሾሾይትድ ፕረስ ሓቢራ። እቶም ህጻናት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2021 ክሳብ ባሕቲ ሚያዝያ ናይዚ ዓመተ 2022 ብሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ከምዝመቱን፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ከምዝኾኑን ጸብጻባት ወሲኾም ይገልጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሶማል ሰለስት ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ህጻናት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ንሓደጋ ሞት ተቓሊዖም ከምዘለዉ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መጠንቀቅታ ገሊጹ። ሶማል ብተኸታታሊ ኣርባዕተ ዓመት ንደርቂ ተቓሊዓ ከምዘላ ክግለጽ ዝጸነሐ ኮይኑ፤ ነዞም ብሰንኪ እቲ ደርቂ ንዘስዓቦ ዓጸቦ ተቓሊዖም ንዘለው ህጻናት ናይ መግቢ ሬድኤት ምቕራብ እንተ ዘይተኻኢሉ፡ ብዝሒ ዘለዎም ህጻናት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣጠንቒቑ።

ኣብዚ ግዜ ኣብ ሶማል ኣስታት 1.4 ሚልዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ከቢድ ሕጽረት መኣዛዊ መግቢ ከምዘለዎምን ክሳብ እዋን ክረምቲ ድማ 350,000 ካብዚኦም ክመቱ ከምዝኽእሉን ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ።

ብባህርያውን ሰብ ዝሰርሖን ሓደጋታት ዝሕመስ ዘሎ ቀርኒ ኣፍሪቃ ህጻናት ግዳያት ሞት፡ መቑሰልቲ፡ ጥምየትን ዓጸቦን ይኾኑ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

Related Articles

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

ኩነታትና 

0
ዓቅሊ ጽበት ውሽጥና፡ ንብሃረርታ ዝብህጎ ጽቡቅ ነገር ክሕዝ ጥራይ ዝመጣጠር ኣእዳው ድኣ እምበር፡ ነቲ ናብኡ ክበጽሕ ዝርገጽን፡ ዘይርገጽን ክርኢ ዝሕግዝ ብልሒ ክጥቀመሉ ኣይረኣይን። ነዚ...

NEWS:- ጥምረት ደምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጁለ 7 (G7)ን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ

0
ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ “ምሕያል ደሞክራሲ ኣብ ሃገራት ጉጁለ 7ን ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ሃገረ...

HOME:- ኤርትራውያን ስደተኛታት፤ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ከይኮኑ ይስጋእ

0
ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘቃለዖም ክኢላታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑጡቓት ክልል...

Latest Articles