ቀዳም 30 መስከረም 2023 | 1:28 ቅ.ቀ

HOME:- ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ቀዳመይቲ ብምውጻእ ሰለስተ ክብረ-ወሰን ሰይራ

ኣብ ደቡብ ኮርያ ከተማ ደጉ ዝካየድ ዘሎ ውድድራት ማራቶን እትሳተፍ ዘላ ጓል 32 ዓመት ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ቅድሚ ሕጂ ንዝመዝገበቶ ዝቀልጠፈ ግዜ ብምምሕያሽን፡ ብኬንያዊት ኣትሌት ማርጋሬት ኣታይ ተታሒዙ ዝጸንሐ ናይ 2፡23.28 ዝቀልጠፈ ግዜ፡ ብ 2፡21.56 ብምእታው ክትሰብሮ ከምዝኸኣለት ተሓቢሩ ይርከብ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣህጉራዊ ውድድራት ጉያ እግሪ እትሳተፍ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ፡ ብዙሕ ዓወታት ዝሓፈሰትን፡ ሓንቲ ካብ ዝለዓለ ኣስማት ኣትሌታት ኤርትራ ዘለዋ ምዃና ይፍለጥ።

ተዛማዲ ጽሑፍ

ጽሑፋት ኣሰናዳኢ

ዜናታት ሰቲት