Monday, March 4, 2024

ናትናኤል ተስፋጽየን ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2022 ብምዃን ዳግማይ ኣኽሊል ዓወት ደፊኡ

ተዓዋቲ ዙር ርዋዳ 2020 ከምኡ’ውን ተዓዋቲ 5ይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ 2021 ናትናኤል ተስፋጽየን፡ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመ ዙር ርዋንዳ 2022 ዳግማይ ኣኽሊል ዓወት ብምድፋእ፡ ዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቕዳዳማይ፡ ዝበለጸ መንእሰይ ዝኣመሰሉ ዓወታት ብምድርዳር ብ 2020 ንዝተዓወተሉ ዙር ርዋንዳ ዳግም ተዓዊቱሉ።

ኣብ ሻድሻይ መድረኽ ንብጫ ማልያ ኣብ ዝባኑ ዝሰቀለ ናትናኤል፡ ኣብ ሻብዓይ መድረኽ ዝነበሮ ግዜ ብምምሕያሽ፡ ንዓወቱ ኣውሕሱ እዩ ኣብዚ ዛዛሚ መድረኽ ተረኺቡ።

ብተወሳኺ ኣብ ዙር ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ መትከል እዮብን ሄኖክ ሙሉእብርሃንን ጽቡቅ ውጽኢት ብምምዝጋብ ጸወትኦም ዛዚምም።

ብሰንኪ ዘይምኽታብ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ዘይክኣለት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንብዙሓት ዘቆጥዐ ኮይኑ፡ ሰለስተ ኤርትራውያ ተቐዳደምቲ ግን ምስ ጋንታታቶም ኮይኖም ክሳተፉ ክኢሎም።

Related Articles

Stay Connected

7,413FansLike
635FollowersFollow
19,200SubscribersSubscribe

Latest Articles