Monday, March 4, 2024

ኣብ ክልል ዓፋር ብሰንኪ ዝቀነየ ኲናት ዝተፈናቀሉ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ስራሕ ይካየድ ኣሎ

ዋሃቢ ቃል ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮሚሽን ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቦሪስ ሽሪሺርኮቭ፡ ነቶም ብ ሰንኪ ኲናት ካብ ማዓስከር ስደተኛታት በርሓለ ናብ ርእሲ ከተማ ክልል ዓፋር ዝኾነት ሳማራ ዝትመዛበሉ ስደተኛታት፡ ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርክትን ህጹጽ ሓገዝ ንከቅርብ ይሰርሕ ከምዘሎ ብ ዕለት 18 ለካቲት 2022 ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። 

ጸብጻባት ላዕለዋይ ተጸዋዒ ኮሚሽን ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ከም ዝሕብርዎ፡ እቶም ስደተኛታት ናይ ነዊሕን ኣድካምን ጉዑዞ ናብ ከተማ ሳምረ ከምዝበጽሑን፡ ብ ሰለስተ ለካቲት፡ ዕጡቓት ናብ መንበሪ ገዝኦም ብምእታው ዝንበሮም ዝውንንዎ ንብረት ከምዝወሰድሎምን ደቂ ኣንስቲዮ ጭውዮም ከምዝወሰዱን ክገልጹ ከለዉ፡ ሓሙሽተ ስደተኛታት ክቅተሉ ከለዉ፡ ካብቲ ማዕስከር ክሃድሙ ከለዉ፡ ብርከት ዝበላ በቴሰብ ከምዝተጠፍኡን ዳሃዮም ከምዘየልን ይሕብር። 

ላዕላዊ ተጸዋዒ ኮሚሽን ስደተኛታት ውዱብ ሕቡራት ሃገርት ካብ ከተማ ሳመራ 40 ኪሎሚተር ርሒቃ ኣብ ትርከብ ከተማ ሰርዶ፡ ነቶም ስደተኛታት ከግዕዞም ይሰርሕ ከምዘሎ ክሕብር ከሎ፡ ብሰንኪ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ወሪዱ ዘሎ ኩነታት ከምዘሻቀሎ ይሕብር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

9 − 6 =

Stay Connected

7,413FansLike
635FollowersFollow
19,200SubscribersSubscribe

Latest Articles