ቀዳም 3 ሰነ 2023 | 12:42 ድ.ቀ

HOME:- ሰለስተ ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ክሳተፉ እዮም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንዓወት ቢንያም ግርማይ ቀጺሉ ዝተራእየ ዘይምስታፍ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022፥ ንብዙሓት ደግፍትን ኣፍቀርትን ስፖርት ኤርትራ ዘቆጠዐ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፥ ኣብዚ ዙር ሰለስተ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ምስ ኤውሮጳያንን ማሌዥያዊት ጋንታታቶም ኮይኖም ክሳተፉ ምዃኖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ንተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2020 ናትናኤል ተስፋጼን ሓዊስካ፥ ሄኖክ ሙሉእብርሃንን መትከል እዮብን ኣብዚ ውድድር ምስ ጋንታታቶም ክሳተፉ ምዃኖም ድሮ ተፈሊጡ ይርከብ።

ብሰንኪ ዘይምኽታብ ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፥ ኤርትራ ካብ ዙር ርውንዳ ክትሳተፍ ከምዝተኣገደት ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኣብዚ ዙር ክትከስቦ ዝግብኣ ናይ ዩሲኣይ(UCI) ነጥብታት ክትከስሮ ከምእትኽእል ይፍለጥ።

መውሃቢ ርእይቶ

ርእይቶ ኣብዚ
ስምኩም ኣብዚ

1 × four =