Tuesday, February 20, 2024

ኤርትራውያን ኣትሌታት ኣሮን ክፍለን ራሄል ዳኒኤልን ድሙቅ ዓወት ኣመዝጊቦም

ኣብ ጣልያን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሃገር ጭራ ቁረጽ ውድድር ዝሳተፉ ዘለዉ ኣትሌታት ራሄልን ዳኒኤልን ኣሮን ክፍለን፡ ሎሚ 06 ጥሪ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ኣንስትዮ፡ ንኣስታት 6 ኪሎሜተር  18 ደቂቅን 49 ካልኢትን ብምሽፋን ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ድሙቅ ዓወት ኣመዝጊባ። ኣሮን ክፍለ ብወገኑ ናይ 10 ሜትሮ ውድድር ጉያ ብ 28 ደቂቅን 59 ካልኢትን መበል 5ይ ደረጃ ብምሓዝ፡ ካብ ቀዳማይ ብኣስታት 20 ካልኢት ብምድንጓይ ብሉጽ ዓወት ኣመዝጊቡ። 

ብተወሳኺ ኣብቲ ውድድር ንጣልያን ወኪሉ ዝወዳደር ዘሎ ኤርትራዊ ጣልያናዊ ፋኒኤል እዮብ፡ ንኣሮን ተኸቲሉ 6ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ፈጺሙ። 

ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ጉያ እግሪ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ኣትሌታት ጽቡቅ ዓወት ከምዘመዝግቡ ይፍለጥ።

Related Articles

Stay Connected

7,418FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles