Wednesday, February 21, 2024

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ዋንግ ዪ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና፡ ወግዓዊ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ኣብ ሰዓታት ምሸት ሰሉስ 4 ጥሪ ከተማ ኣስመራ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብመሰረት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዕላማ ናይዚ ዑደት፡ ንዘለዉ ዝምድናታት ክልትኤን ሃገራት ንምትጥንካር ኣብ ዝውሰዱ ስጉምታት ዝዓለመ ሓበራዊ ምይይጥ ንምግባርን ከምዝኾነ ክግለጽ ከሎ፡ ኣብ “ቅናትን ጽርግያን” ወፍሪ ቻይና ዝተሓሓዝ ከምዝኾነን፡ ብተወሳኺ ብዛዕባ ኣብ ወርሒ ሓዳር ናይ 2020 ዝተወልዐ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ’ውን ኣካል ናይቲ ምይይጥ ከምዝኸውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዝተረኽቡ ሓበሬታ የረድእ።

ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ዋንግ ዪ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከምዝፈጸመን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ከምዝዘተየን ይዝከር።

ዝምድና ቻይናን ኤርትራን ምስ ተቓለስቲ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ሱሳታት ዝጀመረ እኳ እንተኾነ፡ ወጋዓዊ ናይ ዲፕለማስያዊ ዝምድና ብ ሃገር ደረጃ ግን፡ ኤርትራ ኣብ 1993 ኣብ ሃገራ ቻይና ኤምባሲ ምስ ከፈተት ከምዝተጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ድሕሪ እዚ ወግዓዊ ምምስራት ዝመድና ናይ ክልቴኤን ሃገራት፡ ኣብ 2007 ብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ቻይና ዝመራሕ ልኡኽ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ገይሩ ከምዝነበረን እዚ ናይ ሕጂ ንመበል ካልኣይ ግዜ ዝግበር ዘሎ ሙዃኑን ይግለጽ። ብተወሳኪ ብ ዕለት 25 ሓዳር ብዛዕባ ፕሮጀክት ቅናትን ጽርግያን ዝምለከት “ሓባራዊ መረዳእታ” ( memorandum of understanding) ከምዝተፈራረማ ይዝከር።

ብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳይት ቻይና ዝምራሕ ልኡኽ፡ ኣብ ሓዲሽ ዓመት ዝግበር ናይ ስርሕ ምብጻሕ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዝያዳ ዝምድና ቻይናን ኣፍሪቃን ንምጥንኻር ተባሂሉ ዝግበር ኮይኑ፡ ኣብ 1991 ዝጀመረ ባህሊ ናይ ዲፕሎማሲ ቻይና ከምዝኾነ እዩ ዝሕበር። ብ ተወሳኺ’ውን “ቻይና ኣፍሪቃ ፎሩም” ዝበሃል ዓመታዊ ዝግበር ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ዝጀመረ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃን ከምኡ’ውን ኣብ ቻይና ዝግበር ክኸውን ከሎ፡ ዝሓለፈ እዋን እዚ ፎሩም ኣብ ዳካር ሰኔጋል ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2021 ተኻይዱ ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብዚ ናይ 2022 ዓመተ ምህረት፡ ብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳይት ቻይና፡ ዋንግ ዪ፡ ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ኬንያን ኮሞሮስን ክበጽሕ ሙዃኑ ምንጭታት ይሕብሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

2 + ten =

Stay Connected

7,416FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles