‘’…….በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ’’የሱስ፡፡
ኣብ ዘመናት ኩሉ ሓንቲ ሃገር ወይ ሕብረተሰብ ሱር በተኻዊ ለዉጢ ብምምጻእ ናብ ጎደና ምዕባለን ብልጽግናን ከበጽሕ እንተኾይኑ መድሕን ዝኸዉን መራሒ ወይ ቀላሲ የድልዮ፡፡ ኣብታሪኽ በረታዊ ቃልስና ተራ ናይቶም ነቲ ቃልሲ ዝመርሑ ኣሕዋትናን/ኣሓትናን ኣቦታትናን/ኣዴታትናን ከምዘለዎ ኮይኑ ናይ ኣንበሳ ግደ ዝወስድ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምኻኑ ዘካትዓና ኣይመስልንን፡፡ ከምኡዉን ‘ታ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደት ሓዳስ ሃገር ንዉድቀታን ምስኡ ስዒቡ ንዝመጸ ኩሉ ፖለቲካዉን ማሕበራዉን ሃይማኖታዉን ቅልዉላዉ፡ ናይ ኣንበሳ ግደ ዝወስድ ንሱ’ዩ፡፡ ከም ህዝቢ ብፍላይ ድያስፖራ ህልዉ ኩነታትና ምግላጽ ትርጉም ዘለዎ ኣይመስለንን ንምዝካር ዝኣክል ግና ሒደት ሓሳባት ክዛረብ፡፡መራኸቢ ቡዙሃን ኣብ ዓለምና ዘምጽኦ ጥቕሚ ቀሊል ኣይኮነን፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ካብ ኮመድያን ሃገርና ሳላ ዩቱዩብ ፍርያትና ምስ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዉ ተኻታተልትና ኣራኺቡና ብገንዘብዉን ብተዛማዲ ደሓን ኣሎና ብምባል ጥቕሚ መራኸቢ ብዙሃን ብኣድናቖት ክዛረብ ሰሚዐዮ፡፡እዚ ሓደ ናይቲ እወታዊ ጎኒ ሶሻል ሚድያ’ዩ፡፡ ብዙሕ ጥቕምታት ክግለጽ ይከኣልዩ እንተኾነ ጽቡቕ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ስለዝኾነ ብዙሕ ኣብርሆት ዝደሊ ኣይመስለንን፡፡
ስለምንታይ መድሓኒ የድልየና?
ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ንነብሶም ከም ኣክቲቪስት ዝሓስቡ ኣሕዋትን ኣሓትን መን ከም ዝወከሎም ኣይፈልጥን፡ ነታ እጃም ኩላትና ክትከዉን ሂወት ዝተኸፍላ ሃገር፡ሃይማኖትን ብሄርን፡ ቀደም ዝሞተን ዝተቐብረን ኣዉራጃ እናልዓሉ ሓደ ካብቲ ሓደ ከም ዝበልጽን ዝያዳ ወናኒ ናይታ ሂወት ኩላቶም ብሄራትን ዓድታትን ዝተኸፍላ ሃገር ምኻኖም ብዘይ ሕፍረት ክገልጹላ ከሪሞምን ኣለዉን፡፡እዞም ሰባት ንነብሶም መልኣኽ ብርሃን ብምምሳል ከነድሕነኩም ይበሉና ፡፡ ብርግጽ ካብዚኦም መድሓኒ የድልየና ኣሎ፡፡
መድሓኒ ዘድልየና ምስ ገዛእ ርእስና ንምትዕራቕ’ዩ!
ቅድሚ ክልተሽሕ ዓመታት ሶክራቶስ ንግሪኻዉያን ካብ ገዛእ ርእሶም ንላዕሊ ብዛዕባቶም ከቢበቦሞም ዝነበሩ መላእኽቲ[ጣኦታት] ይፈልጡ ነበሩሞ፡፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም ክፈልጡ ሰበኸሎም፡እንተኾነ እቶም መራሕቶም ህዝቢ ገዛእ ርእሱ ክፈልጥ ኣይደልዩን ነብሩሞ ንሶክራቶስ ንሞት ፈረድዎ፡ ንሱ ድማ ክሳብ ለይተ ሎሚ ተዘኪሩ ይነብር ኣሎ፡፡ሎሚ ከም ግሪኻዉያን ዝኸበቡና ጣኦታት ኣይሃልዉ እንበር ካብ ገዛእ ርእስና ሸፊትና ብዛዕባ ካልኦት ሰባትን ሃገራትን ዘለና ኣፍልጦ ብርግጽ ብመንጽር ዝህበና ጥቕሙ ከይረኣና ዝነኣድ’ዩ፡፡ኣብ ሕድሕድና ዘሎ ንዕቀት፡ ጸርፊ፡ ዉርደት፡ ሻርነት፡ ደረት ኣልቦ እናኾነ ካብዝመጽ እዋናት ኣቑጺርና ኣሎና፡፡እቶም ንሃገርና ዝመርሑ ፖለቲካዉያን መራሕቲ በዚ ሕጉሳትዮም ፡ስለዝኾነ ምስ ገዛእ ርእስና ተዓሪቕና ከምቲ ሓሳባትና ክቡር ኢልና እንሓስብ ናይ ካልኦት ፖለቲካዊን ሃይማኖታዉን ማሕበራዉን ስነ-ሓሳባት ብምኽባር ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ክነኽብር ንሓሳብት ብሓሳባት ክንሙጉት፡፡ኩላትና ኣብቲ ዝተመሃርናዮ ወይ ብርግጽ ዝተመኮርናዮ ዓዉዲ ንህዝብና ክነገልግል ፡መድሓኒ የድልየና እሎ፡፡
መገዲ ዓድና ዘርኢ መድሓኒ የድልየና’ሎ!
ቅድሚ ዓመታት ‘መገዲ ዓድና’ ደርፊ ከምኡዉን መጽሓፍ ወጺኤን እንተኾነ ገና መገዲ ዓድና ንምንዳይ ጌና ዕንክሊል ንብል ዘሎና ንመስል፡መራሕቲ ይዉለዱ፡ ኣብ ግዜ ሽግር ይስርሑ፡ ይመሃሩ ብዘየገድስ ናብቲ ቅኑዕ ኣንፈት መገዲ ዓድና ዝወስደና፡ ዝቕልሰና፡ዝሕብረና፡ እንተተጋገና ዝእርመና፡ ጽቡቕ እንተሰሪሕና ዝሙግሰና፡ ክንተሓላለን ክንደጋገፍን ዝተባብዕና፡ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ተዓዘብቲ ዘይኮና ተሳተፍቲ ዝገብረና፡ ንሓሳብና ኣኽብሮት ዝህበና፡ ንኹልትና ሃይማኖት ብሄር ቃንቛ ከይፈላለየት ብስብኣዉነትና እተኽብረናን እትሓቑፈናን ሃገር ምሳና ኮይኑ ክሃንጽ ዝኽእል መራሒ[መድሕን] የድልየና፡
ካብቲ ጨካን ሓልዮት ህዝቢ ዘይብሉ መሪሕነት መድሓኒ የድልየና ኣሎ!
ኣብዘን ዝሓለፋ ስለሰተ ዓሰርተ ዓመታት ንሃገርና ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ንበሎ መንግስቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይንቡር ሂወት ክነብርን ብገዛእ ሃገሩ ተዓዛቢን ተማእዛዝን ክኸዉን ዝገበረ፡፡ኤርትራዊ ብ ፖለቲካዊን ሃይማኖታዉን ናጽነቱ ዓፊኑ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ማሕዩር ክሳቐዩን፡ ክሞቱን ዕድሚኦም ክበሊ ዝገበረ፡፡ዚጋታቱ ፈቕዶ ምድረበታታትን ባሕርን ክሞቱን፡ ኣበየ ሃገራቱ ዝተዋረዱን ዝሓሰሩን ክኾኑ ዝቕሰበ፡፡ንሃገር ብቑጠባ ፡ፖለቲካ ማሕበራዊ ካብ ጎረባብትን ዓለምን ንጽልቲ ክትከዉን ዝገበረ፡፡ብጠቕላላ ኣብታ ሃገር ስእነት ሰናይ ምሕደራ ዝፈጥረ መሪሕነት ኣሎና ስለዚ ካብዚ መሪሕነት መድሓኒ የድልየና ኣሎ፡፡
ልዕሊ ኩሉ!
ኤርትራዉያን ድያስፖራ ዘለዉና ፍልልያት ብጥንቃቐ ተገንዚብና፡ቀዳምነታትና ብምስራዕ ኣብዚ ስልጡን ዘመን ብዝሰልጠነ መንገዲ ክንዘራረብ፡ ንህዝብና ካብ ዝፈላልዩን ኣብ ሕድሕዱ ጽልእን ቂምን ካብ ምዝራእ ክንቁጠብ ግዜ ዝጠልቦ እዋን እመስለኒ፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጎረቤት ሃገርና እንዕዘቦ ዘሎና ጽልኢ ሂወት ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቕጥፍ ዘሎ ሂወት ክንመሃረሉን ግብራዊ ስጉምቲ እንወስደሉን እዋን ሕጂ እዩ፡፡ሎሚ እንዘርኦም ዘሎና ኣብ መንጎ ሃይማኖታታን ብሄራትን ኣዉራጃታትን ጽልእን ቅርሕንትን ዝፈጥሩ ሓሳባት ጽባሕ ሒዞምልና ዝመጹ ርግጸኛታት ክንከዉን ኣይንኽእልን ኢና፡፡ ሒደት ብምኻና ተበታቲንና ኣይኮነን ተጠርኒፍና ሓደ ብምኻን ዝገጥመና ብድሆ ቀሊል ኣይኮነን፡፡
ነዚ’ኸ መድሕን ንጽበየሉ’ዶ?
ኩላትና መድሕን ናይ ሃገርና ክንከዉን ንኽእል እመስለኒ እንተወሓደ ካብ ጽልእን ንሕብረተሰብን ዘዕኑን ኣተሓሳስባታት ካብ ምዝራብ ምቑጣብ፡ ንዝተዛረበ መቕርብና ኮነ እንፈልጦ ዓገብ ምባል፡ ሃናጽን ኣዛታዩን ዝኾነ ሓሳብ ብምቕራብ ኣፍደገ ዝርርብ ምኽፋት፡፡
ሓሳበይ ብናይ ኣበሃህላ ቅዱስ ኣጓስቲን ክዛዝም ‘’ ኣብ መሰረታዉያን ነገራት ስምምዕ የድለየና ፡ኣብቶም መሰረታዉያን ዘይኮኑ ነገራት ሸለልትነት፡ ኣብ ኩሉ ግና ፍቕሪ የድልየና’’
ሰናይ ቅነ
Disclaimer | መተሓሳሰቢ
The views and opinions expressed in " መን ይምርሓና[የድሕነና]? " are those of the author and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media.
ኣብዚ " መን ይምርሓና[የድሕነና]? " ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይቲ ጸሓፊ/ት እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሜዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።