ኣብ ዝሓለፉ ዝተኻየዱ ዙራት ርዋንዳ ብዙሕ ዓወታት ዝሓፈሰት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝካየድ፡ ናይ 2.1 መዕቀኒ ናይ ዩሲኣይ ዘለዎ ዙር ርዋንዳ ክትሳተፍ ምዃና፡ ካብ ኣካየድቲ እቲ ውድድር ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብዚ ኣስታት 20 ጋንታታን ሃገራውያን ጋንታታን ክሳተፋ ምዃነን ዝሓበሩ እቶም ኣካየድቲ፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ ሰለስተ ብጫ ማልያ (ተዓዋቲ ሙሉእ ዙር)፡ 24 ናይ መድረኽ ዓወታትን ከምኡ’ውን 5 ግዜ ናይ ኣንበሳ ዓቀብ ዝኣመሰሉ ዓወታታት ዝሓፈሰት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ዙር፡ ኣብ መድረኽ ኣፍሪቃን ዓለምን ዓቢ ስም ረኺቦም ብዘለዉ ተጻወታ ኣቢላ ዓወታት ክትሓፍስ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዙር ርዋንዳ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ዝሳተፉ ተጻወቲ ክሳብ ሒጂ መን መን ምዃኖም ኣይተፈልጠን ዘሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 5 ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ብሽክለታ፡ ንብሉጽ ተቀዳዳማይ ኣፍሪቃ 2021 ከምዝተሓጽዩ፡ ካብ ኣካየድቲ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። እዞም ተጻወቲ፡ መርሃዊ ቁዱስ፡ ሄኖክ ሙሉእብርሃን፡ ቢንያም ግርማይ፡ ናሆም ዘርኣይን ናትናኤል ተስፋጼንን ክኾኑ ከለዉ። ኣብዚ ስልማት ኤርትራውያን ተቀዳደምቲ ካብ 2012 ጀሚሮም 5 ግዜ ከምዝሓፈሱሉ ይዝከር።