ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ጥራይ ተመርኮሰ ኣርእስቲ ዋላ እኮ ተዘይኮነ ነዚ ሓሳብ እዚ ጨላሊፍዎ ዝሓልፍ ንውሕ ዝበለ ጽሑፍ ኣቀሚጠ ምንባረይ እዝክር ። ኮይኑ ግን ብዓይኒ ፖለቲካዊ መለኪዕታት ኣሲሩ ክብሪ እቲ ዝቃለሰሉ ህዝብን ዋንነተይ ዝብሎ መሬትን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ተቀቢሉ ከም ፖለቲካዊ ረብሓ ዝሪኦ ዘበለ ጽቡቅ ጎድኒ ናቱ ከረደአኒ ዝኻኣለ ግብረመልሲ ክሳብ ሕጂ ካብ ዘይምርካበይ ደጊመ ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ጥራይ ዘተኮረ ሓሳብን ምስቲ ዘሎ ናይ ገለ ድሌት ዜጋታትናን ዝብልዎን ብምንጽጻር ኣብዚ ዛዕባ እዚ ዘሎ ዘይኑጹር ኣካይዳን ሳዕቤናቱን ክፋሓሕር ክፍትን ኢየ ።
ከም መበገስን ቀሊል ኣብነትን
- ሓደ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሒዙ ዝወፈረ ፖለቲካዊ ሓይሊ እቲ ቀዳማይ ግምት ሂቡ ክሰርሐሉ ዝርአ ጉዳይ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ጸላኢ ምስዓርን ምጥፋእ ኢዩ ። እቲ ቀዳማይ ዕማሙ ንብል ስለ ዘለና ዲኣ እምበር ሱር መሰረት ናይቲ ኩናት ውን ፖለቲካዊ ዕላምኡ ዘበገሶ ኽኸውን ከም ዝኽእል ኣበይ ክዝንጋዕ !!
- ሓደ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ትካል ግን እቲ ቀዳማይ ግምት ሂቡ ክሰርሐሉ ዝርአ ጉዳይ ነቲ ብዘይ ብረት ክዓኑ ዝኽእል ናይ ጸላኢ ትካላት ታርጌት ዝገበረ ኢዩ ።
እዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርከብ ብዙሕ ሰባዊ ዓቅሚ ዝረኣዮ ብቱን ሓይሊ ካብዚ ክልተ ትካላዊ ቅርጺ እዚ ወጻኢ ዝጉዓዝ ፍኑው ውሑጅ እኮ እንተኾነ ውህደቱ ብዘየገድስ ምስ ቁጽሪ ክልተ ዘራኽብ ብዙሕ ኣገደስቲ ክበሃሉ ዝኽእሉ ስራሓት ኣብ ምዕያይ ተጸሚዱ ንብዙሕ ዓመታት ክሰርሕ ዝጸንሐ ፋሉላዊ ቅዲ ዝሓዘ ምትእኽኻብ ኢዩ !!
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጸላኢኡ ብዘይ ብረት ንምስዓር ወፊሩ ንጸላኢ ብዘድልዮ ጎድንታት ኣዳኺሙ ብምስዓር ምስዓር ጸላኢኡ ተኣሚኑ ክትክእ ዓቅሚ ኣሕጺሩ ዝላህልሀ ብቱን ሓይሊ ካልእ ንጸላኢኡ ዓቅምን ሞራልን ዘደልብ ኩነታት ስለ ተፈጥረን ዘርከቦን ሎሚ ንኤርትራ ዝኣተወ ይእተዋ ዝኻኣለ ይፈንጥሓያ ኣብ ዝብል ናይ ድኹም ኣባህላን ናይ ልሙስ ኣካይዳን ጉዕዞ ብምሓዝ ክግዓር ዝረኣዮ ዘሎ ኣጋጣሚ ኢና በጺሕና ዘለና ።
ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ እዚ ካብ ዝደኸመ ዲኣ እምበር ካብ ስዒሩ ክርባሕ ምርጫ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓሳብ ክመሉቅ ዘይክእል ፖከቲካዊ ምርጫ ምኻኑ እቲ ፖለቲካ ዝብል ምጉት ዝምልሶ ዘየካትዕ ሕቶ ኢዩ ።
ኣብ ፖለቲካ ክስዕር ድኣ እምበር ከሳሊ ዝወፍር ሓሳብ የለን !! እንተ ድኣ ኣሎ ስዕረቱ ተኣመነ ሓይሊ ኢዩ ።ሓደ ነዚ ሓሳብ እዚ ዝኽተል ፖለቲካዊ ሓሳብ መመላእታ ናይቲ ዝሰዓረ ኮይኑ ክቕጽል ዘለዎ ዕድል ንምጥቃም ዝኣትዎ ውዑል ተዘይኮይኑ ርእሲ እቲ ዘውፎሮ ሓሳብ ኮይኑ መሰረታዊ ታርጌቱ ከካናውን ዘኽእሎ ጉልበት ይኹን ዓቅሚ ክረክብ ዘበት ኢዩ ።ሓደ ፖለቲካዊ ትካል ሓሳባቱ ከተግብር ክስዕር ጥራይ ኢዩ ዘለዎ ።
እቲ ዝኮነ ዜጋ ክስሕቶ ዘይብሉ ነገር !!!!!
ተልእኾ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ምስዓር ድኣ እምበር ምስላይ ኣይኮነን ። እዚ እቲ ዘይትንከፍ መበገሲ ሓሳብ ኢዩ ።
እንተኾነ ሎሚ ንሪኦ ዘለና በንጻሩ ኢዩ ። እቲ ዘገድሰንን ገለ ክብል ዘበገሰንን ውን እዚ ምኻኑ ኢዩ ። ነቲ ዓቅሉ ኣጽቢቡ ዘሎ ህዝብን ንለውጢ ዝህንጠ ኣካልን ከም ንቡርን ዝካኣልን ክወስዶ ተባሂሉ ንምልምማድ ሕብረተሰብ ዝዕደሎ ዘሎ ልኡምን ኣዕናዊ ቃላትን እኮ ተኾነ ኣሕዋት ዘርብሐልካ ሰናይ ዘብዝሐልካ ዝመስል ትግርኛዊ ሕጽቦ ኮይኑ ሽግር ሕብረተሰብ ክፈትሕ ዘይክእል ምስ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ሕቶ ኤርትራውያን ምትእሳሳር ዘይብሉ ሓሳባት ምኻኑ ኢዩ ። እዚ ምስ ኻልኦት ናይ ደገ ሓይልታት ተጎዝጉዝካ ከተጣቅዕ ብምጽናሕ ውን ሰብ ይገብር ኢዩ ዝብል ናይ ገለ ካድራት ስሉብ ስልቲ ባህጊ ብዙሓት ክኸውን ኢዩ ዝስረሐሉ ዘሎ ። እንተኾነ ዝሸኽዐ ውልቀሰብን ህዝብን ለኪሙ ክህሰ ኢዩ ድኣ እምበር ፣ ፖለቲካ ንቡሩ ዘይርስዕ ኣርእቲ ምኻኑ ዘይምዝንጋዕ!! ኣብ ፖለቲካ ዝሰዓረ ኢዩ ኣሳፊሑ ሓሳቡን ባህግታቱን ዝዘርእ ።ዘሳለየ ናይ ምጥቃዕ ወይ ምቁጣዕ ምርጫን ዕድልን ጥራይ ኢዩ ዘለዎ።
በሉ እስኪ ነዚ ከም መእተዊ ክኸውን ተጠቀምክሉ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ገዲፍና ኣብቲ ከም ንቡር ፖለቲካዊ ስልቲ ተወሲዱ ዝዕደል ዘሎ ኣርእስቲ ንእቶ
መቸስ ንኸጣቅዕ ዝፈጥር ፖለቲካዊ ምትእክኻብ እኮ ተራእዩ ዝፈልጥ ተዘይኮነ ካብ ኮነ ግን እዚ ሓይሊ እዚ ማእዛኒ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኮይኑ ክወጽእ ዘለዎ መስገደል ከቢድ ምኻኑ ኢዩ ።ነዚ ምትእኽኻብ እዚ እቲ ሓደ ካብ ከም ኩሉ ኣጣቃዒ ዝፈልዮ ናይ ጽባሕ ዕድል ወይ ብልጫ ውልቃዊ ስልጣን ድኣ እምበር ነቲ ዝሓዞ ፖለቲካዊ ሓሳብ ናይ ምፍጻም ዓቢ ዕድል ወይ ተራ ክህልዎ ከምዘይክእል ድሮ እቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣጎዓዕዛ ሓደ መልሲ ኮይኑ ኣሎ ።
እቲ ኣብዚ ንቡዙሓት ሰላቢ ኮይኑ ክሰርሕ ከም ፖለቲካዊ ምኽንያት ዝቀርብን ዝውሃብን ዘሎ መረዳእታ ልፍንቲ ዝብል ኢዩ ።
ብመሰረቱ እዚ ውን ምስቲ ሎሚ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ዝኮነ ምትሕሓዝ ይኹን ምትእስሳር ዘይብሉ ኣፋዊ ቃጭል ምኻኑ ኢዩ ።
ልፍንቲ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ንዝብል ኣርእስቲ ካልእ ናቱ ኣርስቲ ሒዙ ነዊሕ ክወስደና ስለ ዝኽእል ኣብኡ ከይኣተና ብሕጽር ዝበለ ልፍንቲ ምስ ሓደ ኣፍልጦ ተዋህቦን ዓቅሙ ዝርአን ኣካል ኢዩ ዝስራሕ ። ልፍንቲ ግብራዊ መሳርሒ ድኣ እምበር ሓሳባዊ ቅለጻ ኣይኮነን ።
እቲ ከምተወሳኺ መህደምን መሸፈንን ዓባሲ ሕቶታት ኮይኑ ዝቀርብ ግብረ መልሲ !!! እቲ ምስ መላፍንትና ዘለና ርክብ ምስጢራዊ ኢዩ ዝብል ኢዩ ። እንተኮነ ንዝኾነ ዜጋ ክርዲኦ ዝግብኦ ነገር እንተዲኣ ኣሎ ኣብ ፖለቲካዊ ውዑል ካብ ህዝቢ ዝሕባእ ምስጢር ዝብሃል ነገር የለን እንተድኣ ኣሎ ዕንወት ኢዩ ።ንዝኾነ ፖለቲካዊ ውዑልን ድሌትን ፖለቲካውያን ሓይልታት ሓደ ህዝቢ ብኑጽር ጸጽዩ ክፈልጦ ኣለዎ ። ስለዚ እዚ ንህዝቢ ምስጢር ምስ ዝኸውን ሓደ ቁሙጥ ሕቡእ ሓደጋ ምኻኑ ዘይምዝንጋዕ ።ርሑቅ ከይከድና ከም ኣብነት እቲ ሓደ ንኢሰያስ ንኸሰሉ ብልሹው ኣካይዳ እዚ ኢዩ ።
እዚ ኩሉ ብምባል እቲ ኣብ መወዳእታ ዝድርበ ተደራቢ ሓሳብ እዚ ህዝቢ እዚ ካብቲ ዝገዝኦ ዘሎ ገዛኢ ዝኸፍእ ኣይመጾን ኢዩ ትብል ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ዕላማ ኣሎኒ ዝብል ትካል ይኹን ውልቀሰብ ክሞልቕ ዘይትጽበዮ ናይ ተስፋ ዝቆረጸን ዝቆጻጸሮ ለውጢ ክፈጥር ዓቅሚ ዘሕጸረን ትግርኛ ኢዩ ። እዚ ዓይነት ትግርኛ እዚ ካብ ዝብኢ ተኹላ ይሓይሽ ዝዓይነቱ ናይ ድኹም ሓሳብ ኮይኑ ካብ ሓደ ራእን ሕቶን ኣሎኒ ዝብል ክትሰምዖ ኣሰንባዲ ኢዩ ። ዝኾነ ፖለቲካዊ ራኢ ዘለዎ ሓይሊ እቲ ቀዳማይ ከም ምርጫን ናይ መቀይሮ ብልጫን ኮይኑ ክረኣዮ ዝግባእ ነቲ ብልክዕ ተጸንዐ ዕላምኡ ድኣ እምበር ኣብ ሓደ ካብቲ ዘሎ ዝኸፍእ ኣይመጽእን ኢዩ ዝብል ዘይተጸንዐ ሓሳብ ከም ምርጫ ክህውትት ምስ ዝርአ ተጸባዪ ድኣ እምበር ገስጋሲ ሓሳብ ክትብሎ ኣሸጋሪ ኢዩ ።
ብዝኾነ ኣብቲ ሎሚ ዘሎ ፖለቲካዊ ትንተናታት እዚ ውን ከም ሓሳብ ተራእዩ ክዝረበሉ ስለ ዝርአ ክንዛረበሉ ግድን ኮይኑ ኣሎ ። ንምኻኑ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝገዝኦ ዘሎ ገዛኢ ዝኸፍእ ኣይመጾን ኢዩ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ ። እዚ ካብ ኣፍ ሓደ ፖለቲከኛ ኢየ ባሃሊ ክስማዕ ከሎ’ኸ እንታይ ንምባልን ንመን ከረጋግእን ዝዕድሎ ሓሳብ ኢዩ ።ነዚ ኣባህላ እዚ ጽቡቅ ጌርና ምስ ንርድኦ እቲ ባሃሊኡ ከይተረፈ ዝእመነሉ ዘሎ ሓድሽ ሓደጋ ምህላዉ ኢዩ ካብቲ ዘሎ ከምዘይከፍእ ጥራይ ኢዩ ክግምግም ዝፍትን ዘሎ ። ንምኻኑ ንሓደ መግዛእቲ ብኻልእ መግዛእቲ ክትትክእ ድኣ እንታይ ዘቃልስ’ከ ኣሎካ !!!
ኣስተውዕል
ሕጂ ውን ኣብዚ ዝኾነ ዜጋ ክርድኦ ዘለዎ መግዛእቲ መግዛእቲ ኢዩ ። መግዛእቲ ኣይምረጽን ኢዩ ።
ሰባት ንሕሉፍ መግዛእቲ ክግምግሙን ከዘንትዉን ይኽእሉ ኢዮም ። ጥልያን ካብ ኢንግሊዝ ሃይለስላሴ ካብ መንጉስቱ ብምባል ንዝሓለፈ ኩነታት ብመንጽር እቶም ገዛእቲ ዝገበርዎ ጸቅጥታት ናይ ሓፍን ለጠቅን ገምገም ክህልዎም ይኽእል ኢዩ ። እዚ ማለት ግን ይሓይሽ ብምባል ዝመርጽዎ ኣሎ ማለት ኣይኮነን።መግዛእቲ መግዛእቲ ኢዩ ።መግዛእቲ ምርጫ ኣይህብን ኢዩ ።
እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘለና ናይ ሎሚ መግዛእቲ ካብቲ ሕሉፍ ዝፈልዮ ህሉው ምኻኑ ኢዩ ። ብዛዕባ ሓደ ዝሓለፈ መግዛእቲ ኣይኮናን።
Disclaimer | መተሓሳሰቢ
The views and opinions expressed in " ኣብቲ ንኤርትራ ንናይ ደገ ሓይሊ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዘሎ ፖለቲካዊ መኽሰብ እንታይ ኢዩ ? " are those of the author and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media.
ኣብዚ " ኣብቲ ንኤርትራ ንናይ ደገ ሓይሊ ኣሕሊፍካ ምሃብ ዘሎ ፖለቲካዊ መኽሰብ እንታይ ኢዩ ? " ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይቲ ጸሓፊ/ት እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሜዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።