ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- እስራኤል፡ ኤርትራውያን ተናበይቲ ጎደና ንምሕጋዝ ተበግሶ ይወስዱ

ኣብ እስራኤል ኣብ ጎደና ንዝናበዩን ብዝተፈላለየ ጸገማት፡ ኣብ ጎደናታት ዝድቅሱ፡ ግዙኣት ናይ ወልፍታትን ከምኡ’ውን ኣእምራዊ ጸገም ንዝገበሩን፡ ክእለዩሉን ዝሓሸ ህይወት ንክህልዎም ሓገዝ ክገበረሎም ብውሽጣዊ ዓቅሚ ሕብረተሰብ ንክስራሕ ተበግሶ ወሲዶም ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣብቲ መደብ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመለክት።

ኣታኽልቲ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ተበግሶ ዝነጥፉ ዘለዉ ኮይኑ እዞም ዜጋታት ናብ ጥዑይ ኲነታት ናይ ምምጻእ ሓላፍነት ኣለና ድሕሪ ምባል፡ እቲ ተበግሶ ኣብ መሰረታዊ ኣድለይቲ ነገራት ኣተኲርና ንምስራሕ ኢና ሓሲብና ዘለና ብምባል፡ ነዞም ዜጋታት፡ ካብ መደቀሲኦም፡ ማይን መግብን ከምኡ’ውን ጽሬቶም ዝምልከት ሓላፍነት ብምውሳድ ክእለዩን፡ ካብኡ ብዝቀጸለ ሰብ ሞያ ጥዕና ብምንዳይ ንኲነታት ጥዕንኦም ዝምልከት ጉዳያት ኣብ ምስራሕ ከም ካልኣይ መደብ ሓንጺጾም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

እቲ ተበግሶ ድሮ ሒጂ ኣብ ምጅማሩ ዝርከብ ኡኳ እንተኾነ ብዙሓት ጉዱሳት ኤርትራውያን ኣወንታዊ ግብረመልሲ ኣርእዮም ብምህላዎም፡ ክዕወት ከምዝኽእል ብተወሳኺ ኣታኽልቲ ሓቢሩ። ኣብዚ ዝተጀመረ መደብ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከምኡ’ውን ገለ ውድባት እጃመን ንምብርካት ቁሩባት ምዃነን ምጥቃሰን ዝገለጸ ኣታኽልቲ፡ ካልኦት ኣባላት ሕብረተሰብ ነዚ ተበግሶ ክስዕብዎን፡ ዘዝኽእልዎ ከበርክቱን ብተወሳኺ ጸዊዑ። ኣታኽልቲ ኣብ ምሕጽንትኡ፡ ነዚ ተበግሶ ንምዕዋት ብዙሓት ነገራት የድልዩና እዮም፡ ኣብዚ ዓዲ ዘለዉ ሰብ ግብረሰናይ ንምርካቦምን፡ ኣብዚ ዕዮ ኣበርክትኦም ንምግባርን ዝሕግዙና ተነጣጠፍቲ፡ ናይ ቛንቛ ክኢላታታን፡ ይጠቅም እዩ ዝበሃል ኣበርክቶ ዘለዎ ክስዕበናን ይምሕጸን ክብል ገሊጹ።

ኣብ እስራኤል ብሰንኪ ማሕበራዊ ጸጋማት፡ ጉድለት ጥዕናን ናይ ወልፊ ግዙኣትን ብምኻኖም ኣብ ጎደናታት ዝድቅሱን ዝነበሩን መንእሰያት ከምዘለዉ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

thirteen − four =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ

0
ድሕሪ እቲ መንግስቲ ሱዳን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ 7 ወተሃደራት ሱዳን ኣጋጢሙ ዝተባህለ ኣሰቃቂ ኣቀታትላን ምዝርጋሕ ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ሱዳን ሕነ እቲ...

NEWS:- ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ኣድርያቲኮ ኣንበሳ ዓቀብ ኮይኑ

0
ንሓሙሽተ ዙራት ክሰላሰል ዝጸንሐ ዙር ኣድርያቲኮ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ብድምር ግዜ ናትናኤል ተስፋጽዮን ን ፍሊፖ ዛና ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ብድምር ነጥቢ ኣንበሳ...

HOME:- በዓልቲ ቤት ቀሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ጽገወይኒ መኮነን ዓሪፋ

0
በዓልቲ ቤት እቲ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቐሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ወይዘሮ ጽገወይኒ መኮነን ከምዝዓረፈት ካብ ብዙሓት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ይፍለጥ። ኣብ 2004...

Latest Articles