ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ሊብያ፡ ሓሙሽተ ስደተኛታት ተቐቲሎም፡ ብዙሓት ካብ ማእሰርቲ ሃዲሞም

ብዓርቢ ኣብ ከተማ ትርቡሊ ኣብ ዝርከብ ማእከል ቤት ማእሰርቲ ሓሙሽተ ስደተኛታት ከምዝተቐትሉን ብዙሓት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሃደሙን ሓላፊ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ማይግረሽንን ኣብ ሊብያ ሓቢሩ።

ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንልዕሊ 5000 ሽሕ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቅባ ዝርከብዎም፡ መብዛሕቶም ዜጋታት ናይ ትሕተ-ሳሃራ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ኣብዚ ሰሙን ገዛ ገዛ እንዳኸዱ ብምግፋፍ, ኣብ ጽሬትን ክንክን ዝወሓዶን ማእከል ቤት ማእሰርቲ ክዳግኑ ከምዝጽንሑ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንገዳይ ስደተኛታት (UNHCR) ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ሓላፊ ትካል ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት(IOM) ፈዶሪኮ ሶዳ ምዕልቅላቕን ምምላእን ቤት ማእሰርቲ ቁት ኣልሻዓል ንህላወ ዝተፈላለዩ ሰራዊትን ኣብቲ ቤት ማእስርቲ ሕንፍሽፍሽ ከምዘኸተለን ቶኽሲ ከምዝተኸስተን ገሊጹ።

ወኪል ስደተኛታትን ውዱብ ሕብራት ሃገራት ንጉዳይ ስደተኛታት ብተመሳሳሊ ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ በቲ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲነታት ስደተኛታትን ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦ ሓቢሩ። እቲ ዝተኻየደ ግፋን ምፍራስ ናይ ብዙሓት ዘይተወድኡ መስፈሪ ስደተኛታትን ከቢድ ፍርሕን ስንባደን ኣብ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቅባን ኣኸቲሉ ከምዝርከብ ብተውሳኺ ኣብቲ መግለጺ ኣስፊራ።

ብተመሳሳሊ መርማሪት ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት መጉዳእትን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቅባን ኣብ ሊብያ እንዳ በኣሰ ይኽይድ ከምዘሎ ብምሕባር፡ እቲ ዓመጽ ብዝተወደብን ብምትብባዕ ናይ ስርዓትን ከምዝካየድ ዘሎ ብተወሳኺ እታ መርማሪት ኣካል ኣፍሊጣ።

ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብዞም ግዳያት ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሕበር ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክሰጋገሩን ኣብ ልዕሊኦም ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ ጠጠው ክብልን፡ ይጽውዑ ምህላኦም ይፍለጥ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ነዚ ዓመጽ ጠጠው ንክብል ዝጽዕው ሰለማዊ ሰልፍታት ድሮ ይግበር ምህላዉን ንዝመጽእ መዓላታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክቅጽል ምዃኑን ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

16 − three =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

NEWS:- ኣብ ሱዳን ዓቃብ ሰላም ውሕሃ ነበር ብኣማኢት ዝቁጸሩ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ትግራይ ኲናት ትግራይ...

0
ብኣማኢት ዝቅጾሩ ኣብ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘገልገሉ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ውግእ ተጸንቢሮም ከምዘልው ምንጭታት...

HUMAN RIGHTS:- ስድራቤት ሰመረ ገብርሂወት ናይ ስነ-ኣእምራዊ ምዕባለን ጉድለት ንዘለዎ ውላዶም ከም ምሩኽ ኲናት...

1
ስድራቤት ናይቲ ብጌጋ ከም ምሩኽ ናይ ኲናት ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ማሕዩር መንግስቲ ትግራይ ዝርከብ፡ ሕማም ኣእምሮ ዘለዎ እሱር ኤርትራዊ ሰመረ ገብርሂወት፡ መሰላቱ ክሕለወሉን ህዝቢ...

HOME:- ኣሜርካ መበል ሳልሳይ ግዜ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዛ

0
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብረቡዕ 1 ሰነ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝስፈሮ መልእኽቲ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተሸመ...

Latest Articles