Tuesday, February 20, 2024

ታንዛንያዊ ጸሓፍን ደራስን ዓብደልራዛቅ ጉርናህ ስልማት ኖቤል ስነጽሑፍ 2021 ተዋሂቡ

ኣብ 1948 ኣብ ዛንዚባር ዝተወልደ፡ ብ 1960 ከም ስደተኛ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ህይወቱ ክመርሕ ዝጀመረ፡ ኣብ ፍሉጣት ዩኒቨርስታት ናይ ዓዲ እንግሊዝ ብ ፕሮፈሰር መዓርግ፡ ኣብ ምምህርና ናይ ስነጽሑፍ ድሕሪ መግዛእቲ፡ መምህር ብሙኻን ዝሰርሐ፡ ልዕሊ ዓሰርተ ዝኸውን ዓብይቲ ልብወለዳዊ ስነጽሑፋትን መጽሓፍቲ ዝጻሓፈ እዩ። 

ኮሚተ  ሽልማት ኖቤል ኣብ ስነጽሑፍ ብዛዕባ ዓብደልራዛቅ ጉርናህ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፥ ዓብደልራዛቅ ጉርናህ ብዘይምዋልዋልን ብወኒን ን ጽልዋ መግዛእቲ ዝጻሓፈ፡ ን ሓቂ ዝተወፈየ፡ ብዙሑነት ባህሊ ናይ ምብራቅ ኣፍሪቃ ምስ ካልእ ሕብረተሰብ ዓለም ክላለ ዝገበረ ጻሓፊ እዩ” ክብል ይገልጾ። 

ዓብደልራዛቅ ጉርናህ ብወገኑ፡ ዓቢ ሽልማት እዩ፡ ብፍጹም ኣይተጸበኽዎን፡ ሃንደበት እዩ ኮይኑኒ፡ ክሳብ ብወግዒ ዝግለጽ ክኣምኖ ኣሸጊሩኒ እዩ” ድሕሪ ምባል ኣብ ናይ ማሕበራዊ ሜዲያ ትዊተር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ” እዚ ዓወት ን ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን፡ ኣንበብቲ መጻሓፍተይን ዘውፍዩን ዘመስግኖን እዩ” ክብል ገሊጹ። ብተወሳኺ እዚ ሽልማት፡ ብዛዕባ ሽግራት ስደተኛታትን መግዛእትን ንክንላዘብን ንክንዛራብን ዕድል ዝኸፍት እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ዓለም ሰባት ይጉዱኡ ኣለዉ፡ ሓደ ነገር ክንገበር ኣለና፡ ብከመይ ብሰብኣዊ መንገዲ ነዚ ሽግር ከም ንገጥሞ ክብል ገሊጹ። 

ድሕሪ ናይጀርያዊ፡ ዎለ ሶዮንካ ኣብ 1986 ምዓዋቱ ፡ ታንዛኒያዊ ጻሓፍን ደራስን ዓብደልራዛቅ ጉርናህ ፡ ጸሊም ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ኣብ ስነጽሑፍ ክኸውን በቂዑ ይርከብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

thirteen + fourteen =

Stay Connected

7,418FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles