ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዕጡቓት ከቢድ ማህረምቲ በጺሕዎም

ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ ኣብ ልዕሊ ክልተ ስደተኛታት ከቢድ ማህሰይቲ ከምዝወረዶም ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ብ ዓርቢ 16 ሓምለ፡ መጥሓኒ ኢኽሊ ዘናድዩ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዕጡቓት ከቢድ ማህረምቲ ከምዝወረዶምን ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ሕክምና ይእለዩ ምህላዎምን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከመልክት ከሎ፡ ብተወሳኺ እኹል ቀረባት ሕክምና ብዘይምህላው እቶም ግዳያት ኣድላዪ ክንክን ይረኽቡ ከምዘየለ’ውን ካብቲ ሓበሬታ ክርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ማዓስከራት ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ተዓቚቦም ዘለው ስደተኛታት ብተወሳኺ፡ ገንዘቦምን ተሌፎናቶምን ብሓይሊ ይምንዘዑ ምህላዎም ዝገለጹ እቲ ስደተኛታት፡ ኣብቲ ከባቢ ብከብድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ ኲናት ይካይድ ብምህላው፡ ኣብ ዓዲ ኣርቃይ ዝነበረ ኣገልግሎታት ባንክ ድማ ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣጎልጉሎት ይህብ ስለዘይለ ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ኣዝዮም ወሲኾም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ፡ ማእሰርትን ግፍዕን ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ክገልጽ ከሎ፡ ብተወሳኺ ሓደ ኤርትራ ብዕጡቃት ማልሻ ትግራይ ከምዝተቀትለ ምግላጹ ይዝከር። ብተወሳኺ ራድዮ ኤረና ብመሰረት ካብቲ ቦታ ረኺበዮ ዝበለቶ ሓበሬታ፡ ዕጡቓት ማልሻ ትግራይ ኣብቲ ኲናት ዝማረኽዎ ኣጻዋር ብኣስገዳድ በቶም ስደተኛታት ኣስኪሞም የመላልስዎ ምህላዎም ሓቢራ።

ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዝርከብ ኲናት ክልተ መዓስከራት ስደተኛታት ክዓንዋ ከለዋ ብዙሓት ሃለዋቶም ክሳብ ሒጂ ክፍለጥ ከምዘይተኸኣለ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

3 × two =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles