ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብ ዕጡቓት ምልሻ ትግራይ ተቀቲሉ 

ብ ሓምለ 14 2021 ዕጡቃት ምልሻ ትግራይ ን 19 ኤትራውያን ስደተኛታት ካብ ማዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝወሰድዎምን፡ ብረት ክስከሙ ከምዝሓተትዎምን፡ ሓደ ኣማኒ ምስልምና ኤርትራዊ ስደተኛ ስለዝኣበየ ከምዝተቀተልዎ፡ ሮይተርስ ብመሰረት ካብ ኤርትራዊ ስደተኛ ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ፡ ን ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ምልሻ ትግራይ ኣብ መንበሪ ገዛ ናይቶም ስደተኛታት ብምእታው፡ ተፍትሽ ከምዝገበሩን፡ ዘረኸብዎ ተንቀሳቓሲ ተሌፎናት ከምዝወሰዱን ብምሕባር፡ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት፡ ኣብ ከባቢ ማዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፡ ተኹሲ ከምዘሎ ብተወሳኺ ሓቢሩ። 

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ን ሮይቶርስ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ሓይልታትና ን ስደተኛታት ዕላማ ገይሮም ኣይኮኑን ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ፡ ንውሕስነቶም ኣድላዪ ዘበለ ክንገብር ኢና፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ክነጻሮዮ ኢና” ድሕሪ ምባል፡ እቶም ስደተኛታት እንድሕር ድሌቶም ኮይኑ፡ ነቲ ቦታ ገዲፎሞ ንክኸዱ ነፍቅደሎም ኢና ክብል ገሊጹ። 

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ጀሚሩ ኣብ መዓስከራት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓሩሽን፡ ገለ ዕጡቃት ናብቲ መዓስከር ብምእታው ንብረት ብምዝራር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጉድኣት ከምዘውረዱ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት(UNHCR) ኣብ ዝሓለደ መዓልታት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ናይ ሕነ ምፍዳይ፡ ማእሰርትን ማህረምትን ይካየድ  ከምዘሎ ጭቡጥ ሓበሬታ ከምዘለዎም ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

fourteen − 11 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles