Monday, March 4, 2024

ህወሓት ኲናት ናብ ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ክትቅጽል ከምዝኾነት ሓቢራ

ውሳኔ በይናዊ ምቑራጽ ቶኽሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒቡ፥ ዕጡቓት ትግራይ ናብ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምእታዎም፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ፡ ንጸላእቲና ናብ ኤርትራን ኣማሓራን ክንስዕቦም ኢና ክብል ከምዝገለጸ ሮይቶሪስ ሓቢራ። ብመሰረት ጸብጻብ ሮይቶሪስ ጌታቸው ረዳ “ ቀዳማይ ቆላሕታና ብቕዓት ምውጋእ ጸላኢ ምድኻም ኢዩ፡ ስለዚ ነዚ ንምግባር ናብ ኣምሓራን ኤርትራን ምእታውን ዘድልየና እንተኾይኑ ክንገብሮ ኢና” ክብል ገሊጹ።

እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ ሰብ መዚ ዓለም’ለኸ ትካላትን መንግስታትን፡ ነቲ ብመንግስቲ ኣቢ ኣሕመድ ዝተወስደ በይናዊ ቶኽሲ ናይ ምቑራጽ ስጉምቲ ክምጉሱ ከለው ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ድማ ኩሎም ዑጡቓት ቶኽሱ ደው ከብሉ ጸዊዓ።
ምስዚ ዝተኣሳሰር፡ ሚንስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመቀል “ህወሓትን ሓገዝታን ካብ ታሪኽ ኣይመሃሩን” ብምባል ፍጻሜታት እግሪ መኸል፡ ዓዲ በጊዖ፡ ኣብ 2016 ኣብ ግንባር ጾሮና ዘጋጠመን ናይ ቀረባ ግዜ ወተሃደራዊን ሕንፍሽፍሽን ኢሉ ዝጠቐሶም ከም ኣብነት ብምስፋር፡ እቲ በዓል ስልጣን ህግደፍ፡ “ብተመሳሳሊ ዓሚቕ ቱርጒም ዓቐንን ግሉሕነትን “ GAME OVER “ ኣይርዶኦምን” ክብል ነቲ ዑጡቃት ትግራይ ናብ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምእታዎም ንዝተፈጥረ ሃዋህው ክብል ኣብ ትዊተር ምስፋሩ ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

nineteen + five =

Stay Connected

7,413FansLike
635FollowersFollow
19,200SubscribersSubscribe

Latest Articles