ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ኣሎ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንምጽንባሉ ይዳለዉ ከምዘለዉ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ብባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝተዳለወ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መደባት ክህሉ ከሎ፡ ኣብ ጣልያን ከተማ ሚላኖ፡ ጀርመን ከተማ ከሰል፡ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሎንዶን፡ ኣብ ኣሜርካ ከተማ ስያትልን፡ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫን፡ ናይ ሰለማዊ ሰልፊ መደባት ተሰሪዑ ምህላው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ሽወደንን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራትን ከምኡ’ውን ብኤርትራ ነቐድም(Eritrea first) ዝተባህለ ፕሮጀክት ምትእኽኻብ ናይ ዘተን ኣኼባን መደባት ብመገዲ ቀጥታዊ ፈነወን፡ ማንዛዊ ኣገባብ ብምስራዕ፡ ንመበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ንምክያድ ምድላዋት ከምዘሎ ይሕበር።

እዚ ብደለይቲ ፍትሒ ተመዲቡ ዘሎ መደባት እታ ብብዙሕ መስዋእትን ስንክልናን፡ ዝተረኽበት ናጻ ሃገር ኤርትራ ዜጋታታ ኣብ ዝኸበደ መድረኽ ኮይኖም ይዝክርዋ ምህላዎም ይንገር። ኤርትራ ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ኮይና ናጽነታ ብመገዲ ረፈርንድም ብምድማጽ ናጽነታ ኡኳ እንተኣወጀት ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሕሰም የሕልፍ ምህላዉ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

2 + 3 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ

0
ድሕሪ እቲ መንግስቲ ሱዳን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ 7 ወተሃደራት ሱዳን ኣጋጢሙ ዝተባህለ ኣሰቃቂ ኣቀታትላን ምዝርጋሕ ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ሱዳን ሕነ እቲ...

NEWS:- ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ኣድርያቲኮ ኣንበሳ ዓቀብ ኮይኑ

0
ንሓሙሽተ ዙራት ክሰላሰል ዝጸንሐ ዙር ኣድርያቲኮ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ብድምር ግዜ ናትናኤል ተስፋጽዮን ን ፍሊፖ ዛና ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ብድምር ነጥቢ ኣንበሳ...

HOME:- በዓልቲ ቤት ቀሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ጽገወይኒ መኮነን ዓሪፋ

0
በዓልቲ ቤት እቲ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቐሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ወይዘሮ ጽገወይኒ መኮነን ከምዝዓረፈት ካብ ብዙሓት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ይፍለጥ። ኣብ 2004...

Latest Articles