ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን መበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ንምጽንባሉ ይዳለዉ ከምዘለዉ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ብባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝተዳለወ ናይ ሰለስተ መዓልቲ መደባት ክህሉ ከሎ፡ ኣብ ጣልያን ከተማ ሚላኖ፡ ጀርመን ከተማ ከሰል፡ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ሎንዶን፡ ኣብ ኣሜርካ ከተማ ስያትልን፡ ስዊዘርላንድ ከተማ ጀኔቫን፡ ናይ ሰለማዊ ሰልፊ መደባት ተሰሪዑ ምህላው ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብተወሳኺ ኣብ ሽወደንን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራትን ከምኡ’ውን ብኤርትራ ነቐድም(Eritrea first) ዝተባህለ ፕሮጀክት ምትእኽኻብ ናይ ዘተን ኣኼባን መደባት ብመገዲ ቀጥታዊ ፈነወን፡ ማንዛዊ ኣገባብ ብምስራዕ፡ ንመበል 30 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ንምክያድ ምድላዋት ከምዘሎ ይሕበር።
እዚ ብደለይቲ ፍትሒ ተመዲቡ ዘሎ መደባት እታ ብብዙሕ መስዋእትን ስንክልናን፡ ዝተረኽበት ናጻ ሃገር ኤርትራ ዜጋታታ ኣብ ዝኸበደ መድረኽ ኮይኖም ይዝክርዋ ምህላዎም ይንገር። ኤርትራ ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ኮይና ናጽነታ ብመገዲ ረፈርንድም ብምድማጽ ናጽነታ ኡኳ እንተኣወጀት ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ርእይዎ ዘይፈልጥ ሕሰም የሕልፍ ምህላዉ ይፍለጥ።