ሰሉስ 6 ሰነ 2023 | 5:36 ድ.ቀ

HOME:- ኤርትራዊት ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ፤ ብ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተረቊሓ

ክኢላ ዓውዲ ሓመድን ስነ-ህይወት ኣከባብን ቀመማትን (Soil biogeochemist) ከምኡ’ውን ፖለቲካዊ ስነ ኣከባብን (Political ecologist) ዝኾነት ኤርትራዊት ኣስመረት ኣሰፋው በርሀ፡ ፕረዚደንት  ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብምኽንያት መዓልቲ መሬት፡ ብ 22 ሚያዝያ  ንብርክት ዝበለ ጽፍሒ ዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ምርቛሕ፤ ኣብ ክፍሊ ጽዓት ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ስነ ፍልጠት ንምዃን ከምዝተረቊሐት ካብ ዋይት ሃውስ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣስመረት ካብቶም ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝረቖሖም ዓሰርተ ክልተ ናይ ክሊማን ምምሕዳር ትሕተ ቅርጽን ሓንቲ ኮይና፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ፕሮፌሰር ስነ-ህይወት ቀመማትን (Soil biogeochemist)፡ ግዝያዊት ተሓጋጋዚት ዲን ኣብ ዩንቨርስቲ ካሊፎርንያ ሙዃን ይፍለጥ።

ኣስመረት መጽናዕታ ኣብ  መላግቦ ስነ-ፍልጠት ሓመድ፡ ዓለማዊ ስነ-ፍልጠት ለውጥን ፖለቲካዊ ስነ-ኣከባብን ኮይኑ፡ ጽልዋ ስርዓተ ሓመድ ኣብ ክሊማ ዓለምን ዳይናሚክ ዝምድና ተፎጥራዊ ኣከባብን ሕብረተ-ሰብን ዘቶኮረ ኢዩ።

ኣስመረት በርሀ ኣብ ኤርትራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኮይና፡ ብስነ ሓመድን ምዕቃብ ማይን ካብ ኣስመራ ዩንቨርስት ተመሪቓ።  ካብ ዩንቨርስት ሚቺጋን ድማ ብዓውዲ ፖለቲካዊ ስነ-ኣከባቢ ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርታ ከምዘጽንዐት ይሕበር። ብተወሳኺ ኣብ 2020 ኣስመረት ንፍዕቲ ስደተኛን ንፍዕቲ ኣሜሪካዊት ተባሂላ ብ ኮርፐረሽን ካርኒጊ ተሰሚያ ምንባራ ይዝከር።

መውሃቢ ርእይቶ

ርእይቶ ኣብዚ
ስምኩም ኣብዚ

two × 2 =