ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኣፍሪቃ ብሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ-19 ትጥቃዕ

ኣፍሪቃ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ማዕበላት ምልኻፍ ብ ተላባዒ ኮሮና ቫይርስ፡ ኣብዚ ሳልሳይ ማዕበል ዝያዳ ትጥቃዕ ከምዘላ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ። ምስቲ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ካልኣይ ማዕበል ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክነጻጸር ከሎ፡ ኣብ ሕጂ እዋን ሳልሳይ ማዕበል፡ እቲ መልከፍቲ በዚ ተላባዒ ቫይረስ፡ ኣዝዩ ብዝሒ መልከፍቲ ከምዝተራእየን፡ ጠቅላላ ድምር ክሳብ ሕጂ ዛጊት ልዕሊ 4.1 ሚልዮን በዚ ቫይረስ ዝተለኽፉን፡ 110,000 ከም ዝሞቱንን ክሕበር ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ከባቢ 2.7 ሚሊዮን በዚ ቫይረስ ዘተለክፉን 65,000 ዝሞቱን ከምዝነበረ  እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። 

ኣብዚ ሳልሳይ ማዕበል ዝርግሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ፡ ካሜሮን፡ ኢትዮጵያ፡ ጊኒን ኬንያን ሓዊስካ፡ኣብ 12 ሃገራት ኣፍሪቃ ምውሳኽ ይረአ ከምዘሎን፡ ብ መጠን ብዝሒ ዝተለኽፉን ዝሞተን ብሰንኪ ኮሮና፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ። ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ዝተለኽፉን ልዕሊ 52,000 ዝሞቱን ከምዝኾኑ ምንጭታት ይገልጹ። ኣብ መወዳታ ዓመት 2020፡ ብ ኮሮና ዝተለኽፉ ኣብ ካልኣይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና ምስ ቀዳማይ ማዕበል ክነጻጸር ከሎ፡ ናይ 30% ዕብየት ከምዘርኣየ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይገልጽ። 

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ለካቲት፡ ሃገራ ኣፍሪቃ ክታበት ክቅበላ ካብ ዝጅምራ፡ ኣስታት 7 ሚሊዮን ብዝሒ ጥራይ ከምዝተኸተቡን፡ ምስ 1 ቢልዪን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ክነጻጸር ከሎ፡ኣዚዩ ውሑድ ሙኻኑን፡ ምስቲ ትሕተ ቅርጺን ዝርገሐ ናይ ውሃብቲ ኣገግልግሎት ጥዕና ድሩት ስለዝኾነን፡ ናህሪ ምስፍሕፋሕ ናይዚ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ክውስኽ ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

nine + six =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

OPINION:- ክልተ ተደሚሩን ረቢሑን ኣርባዕተ’ዩ !!!

0
ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ከይዲ ንጹር ሓሳባዊ  መልሲ ዘየቀመጥካሉ ሕቶ  ተሓንጊጥካ ምምራሽ ማለት  ከም ምስ መዓልታዊ  ተገቲሩ ዝጸንሓካ ማዕጾ ገዛኻ  መዓልታዊ  ምግጫው ማለት ኢዩ ። ህውሓት...

HOME:- ሸርክነት ትካል ኩሉሊን መንግስቲ ኤርትራን ይብተኽ

0
ዳናኪል፥ ኣውስርትራልያዊት ኩባንያ፥  ኣብ ደንከል ንጥፈታት ዕደና ፖታሽ ምድህሳስን ነቲ ዕደና ዘድሊ ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነበሮ ሓምሳ ምኢታዊ ...

HOME:- ናይ ወጻኢ ሓይልታት ን መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ማይክ ሃመር ሓቢሩ

0
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር፡ ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳብ 16 መስከረም 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ኣብ ማእከል...

Latest Articles