ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023
spot_img

HOME:- ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምህላዉ ተኣሚኑ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝመጸሉ ሕቶ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምህላዉ ተኣሚኑ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለወሉ ምኽንያት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደባት ከውሕስ ዘይክኣለ ብሙዃኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ትግራይ ዝብገስ ስግኣት ንምውሓስ ኣብ ዶባት ዝርከብ ቦታታት ተቆጻጺሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ወሰናስን ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ተመሊሱ ምስ ንዶባት ክልቲኤን ክቆጻጸር እንተኽኢሉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ምኻኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝሓበሮ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ክምርመር ምኻኑን፡ ብዛዕባዚ ብተደጋጋሚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዛራረበን፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰት እንተሎ ፈጸምቱ፡ ክሕተቱ ምኻኖም ከምዝተሓበሮን ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ይሳተፉ ምህላዉ ብሰፊሑ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብደረጃ መንግስታት፡ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾነ ሓበሬታ ከይሃቡ ምጽንሖም ይፍለጥ፡ እንተኾነ ሎሚ ቀዳማይ ምኒስተር ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምህላው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምእማኑ ተፈሊጡ ይርከብ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

5 × one =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ

0
ድሕሪ እቲ መንግስቲ ሱዳን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ 7 ወተሃደራት ሱዳን ኣጋጢሙ ዝተባህለ ኣሰቃቂ ኣቀታትላን ምዝርጋሕ ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ሱዳን ሕነ እቲ...

NEWS:- ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ኣድርያቲኮ ኣንበሳ ዓቀብ ኮይኑ

0
ንሓሙሽተ ዙራት ክሰላሰል ዝጸንሐ ዙር ኣድርያቲኮ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ብድምር ግዜ ናትናኤል ተስፋጽዮን ን ፍሊፖ ዛና ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ብድምር ነጥቢ ኣንበሳ...

HOME:- በዓልቲ ቤት ቀሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ጽገወይኒ መኮነን ዓሪፋ

0
በዓልቲ ቤት እቲ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቐሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ወይዘሮ ጽገወይኒ መኮነን ከምዝዓረፈት ካብ ብዙሓት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ይፍለጥ። ኣብ 2004...

Latest Articles