ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ንፓርላማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፡ ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝመጸሉ ሕቶ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምህላዉ ተኣሚኑ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ መግለጺኡ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለወሉ ምኽንያት፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ደባት ከውሕስ ዘይክኣለ ብሙዃኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ትግራይ ዝብገስ ስግኣት ንምውሓስ ኣብ ዶባት ዝርከብ ቦታታት ተቆጻጺሩ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወሲኹ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ወሰናስን ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ተመሊሱ ምስ ንዶባት ክልቲኤን ክቆጻጸር እንተኽኢሉ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ምኻኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝሓበሮ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ሰብኣዊ ጥሕሰት፡ ክምርመር ምኻኑን፡ ብዛዕባዚ ብተደጋጋሚ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ከምዝተዛራረበን፡ ዝተፈጸመ ጥሕሰት እንተሎ ፈጸምቱ፡ ክሕተቱ ምኻኖም ከምዝተሓበሮን ኣፍሊጡ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት፡ ሰራዊት ኤርትራ ይሳተፉ ምህላዉ ብሰፊሑ ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብደረጃ መንግስታት፡ መንግስቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾነ ሓበሬታ ከይሃቡ ምጽንሖም ይፍለጥ፡ እንተኾነ ሎሚ ቀዳማይ ምኒስተር ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ምህላው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ምእማኑ ተፈሊጡ ይርከብ።