Wednesday, February 21, 2024

መትከል እዮብ ኣብ ዙር ግራንድ ፕሪክስ ጉንዶግሙስ ዓወት ኣመዝጊቡ

FB IMG 1615163234547ኣብ ቱርኪ ዝካየድ ዘሎ ብግራንድ ፕሪክስ ጉንዶግሙስ ዝፍለጥ ዙር፡ ምስ ማሌዥያዊት ጋንትኡ ኮይኑ ዝሳተፍ ዘሎ መትከል እዮብ፡ ሎሚ ኣብ 7 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ንወዲ ጋንትኡ ካርሎስ ኪንትሮ ብምስዓብ ካልኣይ ኮይኑ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ኣስታት 2 ሰዓት 41 ደቂቕን ዝወሰደ ውድድር፡ መትከል እዮብ ካብ ተዓዋቲ እቲ ውድድር ዝኾነ ካርሎስ  ኪንትሮ፡ 15 ሰከንድ ድሒሩ ውድድሩ ምዕዋቱ ይፍለጥ።

ኣብ ዙር ግራንድ ፕሪክስ ጉንዶግሙስ 28 ጋንታት ይሳተፋ ምህላወን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ወዲ 27 ዓመት መትከል እዮብ፡ ኣብዚ ዓመት ኣህጉራዊ ውድድራቶም ካብ ዝገብሩ ዘለዉ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እዩ።

ኤርትራ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያል ዓብላልነት ዘለዋ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 9 ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ክለባት ኮይኖም ኣህጉራዊ ጸወታት የካይዱ ምህላዎም ሰቲት ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዜናኣ ኣስፊራቶ ምንባራ ይዝከር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

fourteen + three =

Stay Connected

7,416FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles