ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቅባ ኣብ እስራኤል ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ ጀሚሮም

ብምትሕብባር ምምሕዳር ተል ኣቪቭን፡ ሕክምና ኢክሎቭን ካብ ዕለት 09 የካቲት ጀሚሩ፡ ክታበት ኮቪድ 19 ንሓተቲ ዑቅባ ኤርትራውያንን ካልኦት ወጻእተኛታትን ክወሃብ ከምዝጀመረ፡ ኣብ ሕክምና ስነኣእምሮ ሩትን፡ ሆትላይን ዘይምንግስታዊ ትካል ከምኡ’ውን ኣብ ማእከል ምቁጽጻር ለበዳ ኮቪድ 19 ተል ኣቪቭን፡ ከም ቶርጓሚ ኮይኑ ዝሰርሕ ኣቶ ክብሮም ተወለደ ንሰቲት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣፍሊጡ።

ኣቶ ክብሮም ኣብ መብርሂኡ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ዝነበሩሉ ከባቢ፡ ሃጋሊ 6 ናይ ቀደም መዓርፎ ኣውቶቡስ፡ ብልምዲ እንዳባላግን ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ ዝተኸፈተ ማእከል መኽተቢ፡ ድሮ ብዙሓት ሓተቲ ዑቅባ ክኽተቡ ጀሚሮም ምህላዎም ብተወሳኺ ንሰቲት ሓቢሩ።

እዚ ክታበት ከም መቐጸልታ ሰናይ ስራሕ ናይ ምምሓዳር ተል ኣቪቭ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ ክብሮም፡ ዘይመንግስታውያን ትካላትን፡ ማእከል ሓተቲ ዑቅባ ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ብምትሕብባር ክገብሮ ዝጸንሐ ጻዕሪ ውጽኢቱ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ክብሮም እዚ ክታበት ካብ ኣቲናዮ ዘሎና፡ ቁጠባውን፡ ማሕበራውን ቀውሲ ከውጽኣና ዝኽእል ብምዃኑ፡ ኩሉ ሰብ ግዚኡ ክኽተብ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቅባ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን፡ ማሕበራውን ስነኣእምራውን ተነጽሎ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ለበዳ ኮቪድ 19 ከቢድ ሃስያ ኣውሪዱሉ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ካብቶም ሓተቲ ዑቅባ ብቁጠባዊ ቅልውላውን፡ ስነኣእምራዊ ሳዕቤናት ከምዘኸተለሎም ክግለጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

2 + eight =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ

0
ድሕሪ እቲ መንግስቲ ሱዳን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ 7 ወተሃደራት ሱዳን ኣጋጢሙ ዝተባህለ ኣሰቃቂ ኣቀታትላን ምዝርጋሕ ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ሱዳን ሕነ እቲ...

NEWS:- ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ኣድርያቲኮ ኣንበሳ ዓቀብ ኮይኑ

0
ንሓሙሽተ ዙራት ክሰላሰል ዝጸንሐ ዙር ኣድርያቲኮ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ብድምር ግዜ ናትናኤል ተስፋጽዮን ን ፍሊፖ ዛና ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ብድምር ነጥቢ ኣንበሳ...

HOME:- በዓልቲ ቤት ቀሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ጽገወይኒ መኮነን ዓሪፋ

0
በዓልቲ ቤት እቲ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቐሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ወይዘሮ ጽገወይኒ መኮነን ከምዝዓረፈት ካብ ብዙሓት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ይፍለጥ። ኣብ 2004...

Latest Articles