ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ትግራይ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘለው ተሓቢሩ

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ 15 ሽሕ ክሳብ 20 ሽሕ ዝግመቱ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ካብተን ተዓቊቦምለን ዝነበሩ መዓስከራት ሃዲሞም ኣብ ፈቆዶ ተበትኖም ኣብ ሓደጋ ከምዘለዉን፡ ሂወቶም ንምድሓን ሰብኣዊ ሓገዝን ሓለዋን ከምዘድልን ሓቢሩ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምዘለው ዝሕብር ዘሎ ንፈለማ ግዜ ‘ኳ እንተዘይኮነ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት፡ ብኣሸሓት ዝቆጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ረዲኤትን ሓለዋን ከምዘድልዮም ብምግላጽ፡ ናብተን ስደተኛታት ዝርከቡለን መዓስከራት ምብጻሕ ንክኽእል ድማ ዳግማይ ምሕጽንታ ኣቅሪቡ።

ብመሰረት ጸብጻባት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ተዶኲነን ኣብ ዝነበራ መዓስከራት ስደተኛታት ኣስታት 96 ሽሕ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ተዓቊቦም ከምዝነበሩ፡ ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን’ዚ ካብተን መዓስከራት እተን ክልተ፡ እቲ ትካል ክበጽሐን ከምዘይከኣለን፡ ብዚ ምኽንያት ድማ ኣብተን መዓስከራት ዝነብሩ ዝነበሩ ብኣሸሓት ዝቁጸሩ ስደተኛታት ንሓደጋ ተቃልዖም ከምዘለዉ ይሕበር።

ካብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ናይ፡ዚ ዓመት፡ ብመንገዲ ውድብ መግቢ ዓለም ንኣስታት 26 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ መግቢ ሓገዝ ክግበር እኳ እንተተኻእለ፡ እዞም ስደተኛታት ተወሳኺ ናይ መግብን ናይ ካልእን ሓገዛት ከምዘድልዮም እቲ ውድብ ይሕብር።

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ናይ’ታ ሃገርን ዕጡቃት ህወሓትን ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ መዓስከራት ሽመልባን ሕጻጽን ዝነበሩ ኤርትራ ስደተኛታት ከምዝተበተኑን፡ ኣብዝሓለፈ ሰሙናት ድማ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ዝኾኑ ናብ መዓስከራት ማይዓይኒ ብሓገዝ ሰራዊት ናይ’ታ ሃገር ከምዝተጎዓዓዙን ካብ ARRA ዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ጸብጽብና ይዝከር።

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

one + fifteen =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

ኩነታትና 

0
ዓቅሊ ጽበት ውሽጥና፡ ንብሃረርታ ዝብህጎ ጽቡቅ ነገር ክሕዝ ጥራይ ዝመጣጠር ኣእዳው ድኣ እምበር፡ ነቲ ናብኡ ክበጽሕ ዝርገጽን፡ ዘይርገጽን ክርኢ ዝሕግዝ ብልሒ ክጥቀመሉ ኣይረኣይን። ነዚ...

NEWS:- ጥምረት ደምጺ ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዋዕላ ሃገራት ጉጁለ 7 (G7)ን ኣፍሪቃን ተሳቲፉ

0
ኤርትራዊ በርገሳዊ ማሕበር ኣብ ጀርመን፡ “ምሕያል ደሞክራሲ ኣብ ሃገራት ጉጁለ 7ን ኣፍሪቃን” ኣብ ትሕቲ  ዝብል ቴማ ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ዝተሰላሰለ ዋዕላ ተሳቲፉ። ኣብ ሃገረ...

HOME:- ኤርትራውያን ስደተኛታት፤ ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ከይኮኑ ይስጋእ

0
ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘቃለዖም ክኢላታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑጡቓት ክልል...

Latest Articles