Wednesday, February 21, 2024

ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኮኒኖም::

Gn19D605D0C 0F75 4F9C 9008 5E0AED8BA7F2ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብትሪ ብምኹናን ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ኣብቲ ሎሚ 04 ለካቲት ኣብ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ጸዊዖም:: እቶም ኣስታት 500 ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለያ ካንቶናት ስዊዘርላንድ ዝተኣኻኸቡ ኮይኖም ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል: ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ: ዓመጽ: መቕተልቲ: ሰብ ሰርሖ ጥሜት ድማ ከብቅዕ ናብ ቤት ጽሕፈት ው.ሕ.ሃ ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ ኣስሚሮም::

ናይ ጥርዓን ፌርማታት ብምእካብ ኣብ ዘስምዕዎ ጭርሖታት: “ምስ ህዝቢ ትግራይ ደም ንለጋገስ ደኣ እንበር ደም ኣይንፋሰስን”: “ደም ዝተኽለልና ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ ኣይውክለናን እዩ”: “ሰራዊት ኤርትራ ይውጻእ”: “ው.ሕ.ሃ ስጉምቲ ይውሰድ”: “ህጹጽ ረዲኤት ይገበር”: “ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቆላሕታ ይገበረሎም”ን ካልእን ዝብሉ ኔሮም:: ገለ ሰልፈኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ: ምስ ህዝቢ ትግራይ ተጎራቢትና ብሰላምን ፍቕርን ክንነብር ደኣ እንበር ናይ ወለዶታት ዝሰግር ጽልኢ: ቅርሕንትን ደም ምፍሳስን ኣይንደልን ኢሎም::

ኣዳላዊት ኮሚቴ ዝተዳለወ ወግዓዊ ዕላማታት እዚ ዝስዕብ እዩ:- 1/ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ብህጹጽ ክወጽእ 2/ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ወተሃደራዊ ምትእትታው ምግባሩ ንኹንን 3/ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣትዩ ንዘጥፈኦ ህይወት ንብረት ቁጠባ ሰብኣዊ ግህሰትን ምዕናው ናይ እምነት ቦታታትን ቅርስታትን ኣጥቢቅና ንኹንን:: 4/ኣብ ትግራይ ንዝነበሩ ኣስታት 100,000 ሓተቲ ዑቅባ ኤርትራውያን ተቀቲሎም ተጨውዮም ገና ሃለዋቶም ስለ ዘየለ ዝምልከቶ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ክገብረሎም ንጽውዕ! 5/ጥሜት ከም ኲናት መሳርሒ ተጠቂሞም ስርዓታት ህግደፍን ብልጽግናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዝፍጽምዎ ዘለው ናይ ምሕራም መደብ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ገይሩ ህጹጽ ረዲኤት ክገብር ንጽውዕ!!! ካብዚ ዕላማታት ሓሊፊ ብሰልፈኛታት ዝተዋህበ መግለጺታት ይኹን ጭርሖታት ንበሃሊኡ ከምዝምልከትን ብሃሊኡ ከምዝሕተተሉን ኣዳላዊት ኮሚቴ ትሕብር::9D605D0C 0F75 4F9C 9008 5E0AED8BA7F2

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

seventeen − 12 =

Stay Connected

7,416FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles