ሰሉስ 6 ሰነ 2023 | 6:13 ድ.ቀ

HOME:- ጸውዒት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ ጀኔቫ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት 3ይ ወርሑ ሒዝሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዘውረዶ ዕንወትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወረደ ዘስካሕክሕ በደላትን ኩላትና ተዓዚብናዮ ወይ ሰሚዕናዮ ኢና::

ስለዚ:- ኲናት ብህጹጽ ደው ክብል ንጽውዕ::
– ኣብ ዘይምከቶም ኲናት ኣትዮም ዘለዉ ሰራዊትና ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ኲናት ብህጹጽ ክወጹ ንጽውዕ::
– ኣብ ክዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ህዝቢ ትግራይን ዝወርድ ዘሎ በደል ደው ይበል::

ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ ዝምልከት ሕቶታት ክህሉ ንቡር እዩ ገለ ካብኡ ንምምልስ:-

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ መን ኣዳልይዎ? ንዝብል ሕቶ: ኣዳለውቱ – ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ጀኔቫን ካብ ኩሉ ነጻ ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ስዊዘርላንድን::

ገለ ሰባት ድማ መን ኣፍቂድልኩም ዝብሉ ኣይሰኣኑን እዮም ዘፍቅድን ዝፍቀደሉን ኣካልኳ እንተዘይሃለወ:-

ንእግረ መገድና ክንፈልጦ ኣብ ዓንቀጻት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዝፈረማሉ እዚ ሰፊሩ ኣሎ:-

ዓንቀጽ 19. ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል።
– ኩሉ ስብ ብማዕረ ክሓስብን ሓሳቡ ክገልጽ : ሓሳቡ ንኻልኦት ከካፋል: ርእይትኡን ተቓውሞኡን ክገልጽ መሰል ኣለዎ።
ዓንቀጽ 20. ናይ ምእካብን ናይ ጉባኤን መሰል።
– ነፍስወከፍ ሰብ ምስ ካልኦት ሰባት ክራኸብ : ምስ ብጾቱ ክዛተ : ክእከብ ክዝቲ : ናቱ ሰላማዊ ጉጅለ ክፈጥር መሰል ኣለዎ። ሰብ ናብ ዘይደልይዎ ጉጅለ ብሓይሊ ከምዝጽንበሩ ምግባር ኣይፍቀድን።
ዓንቀጽ 21. መሰል ናይ ዲሞክራሲ።
– ነፍስወከፍ ሰብ ኣብ ናይ ሃገሩ መንግስቲ ክዋሳእ መሰል ኣለዎ። ርእይትኡ ክገልጽ መሰል ኣለዎ: ክቃወም መሰል ኣለዎ: መራሒኡ ክመርጽን ድማ መሰሉ እዩ።

ብሕግን ስርዓትን ክንጉዓዝ ክንጅምር ግዚኡ እዩ::

መውሃቢ ርእይቶ

ርእይቶ ኣብዚ
ስምኩም ኣብዚ

11 + five =