ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ንግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከምዘውድቆ ተሓቢሩ

ነባራት ኣምበሳድራት ኣመርካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መጻኢ’ታ ሃገር ከምዘሻቀሎም ገሊጾም። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 1996 ክሳብ 2016 ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለየ ምምሕዳራት ኣመሪካ፡ ከም ኣምባሳድር ኮይኖም ዘገልገሉ ኣርባዕተ ኣመሪካውያን ኣምበሳድራት፡ ብዛዕባ ርግኣት መጻኢ ኢትዮጵያ፡ ከምዘሰከፎም ናብ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፍዎ ቁሉዕ ደብዳቤ ገሊጾም።  እቶም ኣምበሳድራት ኣብ ደብዳቤኦም፡ ጸብጻብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘመላኽቶ፡ ብ ሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት፡ 2.2 ሙሊዮን ተመዛበልትን 4.5 ሚሊዮን ዝኣኽሉ ድማ ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ዘድልዪም ዜጋታት ምህላዎ ከምዘተሓሳስቦ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብ ተወሳኺ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ኩቱር ሻቁሎት ፈጢሩሎም ከምዘሎ ከፍልጡ ከለው፡ ህላወ ስራዊት ኤርትራ ኣብ ክልል ትግራይ ን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከውድቆ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ቀጺሎም ኣብ መልእኽቶም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ኣምበሳድራት ኣብ  ዝጸንሕሉ እዋናት፡ ምስሊ እታ ሃገር ምጽውዋር ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖትን፡ ብሄርን ዘለዋ ሃገር ምዃና ከምዝፈልጥዋ፡ እንተኾነ  ኣብ ሕጂ እዋን ብ ኣንጻሩ ኢትዮጵያ ናብ ከቢድ ሃዋሁ ተመርሕ ከምዘላን፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ብሄራትን ሃይማኖታትን ናይ ጽልኢ ዘረባታት ዝረኣየላ ሃገር ኮይና ከምዘላ ኣተሓሳሲቦም።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ምምህዳር ትራምፕ፡ ኣምበሳድር ኣመርካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ፡ ማይክ ራይነር፡ ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ዘሎ ኩነታት ብነጻ ኣካል ክጻረን፡ ነቲ ህላዌ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝምለከት ድማ፡ ዘድሊ ምጽራይ ክግበረሉ ከምዝግባእ፡ ናይ ሰለስተ ዓመት ናይ ኣምበሳደርነት ስርሑ ዛዚሙ፡ ኣብ ዝፋነወሉ ዝነበረ ግዜ ገሊጹ።  ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ኣህጉራውያን ውዱባትን፡ ሃገራት ዘለዎም ስክፍታ ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

4 × 3 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ

0
ድሕሪ እቲ መንግስቲ ሱዳን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ 7 ወተሃደራት ሱዳን ኣጋጢሙ ዝተባህለ ኣሰቃቂ ኣቀታትላን ምዝርጋሕ ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ሱዳን ሕነ እቲ...

NEWS:- ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ኣድርያቲኮ ኣንበሳ ዓቀብ ኮይኑ

0
ንሓሙሽተ ዙራት ክሰላሰል ዝጸንሐ ዙር ኣድርያቲኮ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ብድምር ግዜ ናትናኤል ተስፋጽዮን ን ፍሊፖ ዛና ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ብድምር ነጥቢ ኣንበሳ...

HOME:- በዓልቲ ቤት ቀሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ጽገወይኒ መኮነን ዓሪፋ

0
በዓልቲ ቤት እቲ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቐሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ወይዘሮ ጽገወይኒ መኮነን ከምዝዓረፈት ካብ ብዙሓት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ይፍለጥ። ኣብ 2004...

Latest Articles