ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ወከለቲ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሓለፍቲ ኣራን (ARRA) መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን በጺሖም

ብሰንኪ  ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጥረ ኲናት ተቋሪጹ ዝጽንሐ፡ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣግለግሎት ን ስደተኛታት ኤርትራውያን ዝቅጽለሉ መንገድን ሓገዝን ንምጋባርን፡ ዘድልዩ ነገራት ንምርዳእን ብ ዳይርክተር ጀነራል ትካል  ምምሕድኣር ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኣራ (ARRA)፡ ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ዝምራሕ ከምኡ’ውን ወኪል ተጸዋዒት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጲያ ዝኾነት፡ ኣን ኣለን አንኮንትረ፡ ብ ዕለት 23 ጥሪ 2021 ኣብ ማዓስከር ማይዓይንን ዓዲ ሓሩሽን ተረኺቦም ነቲ ኩነታት ከምዝተዓዘብዎን፡ ምስ ወከልቲ ስደተኛታት ምይይጥ ከምዝገበሩን ተሓቢሩ።

ኣብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፡ ምስ ወከልቲ ስደተኛታት ምይይጥ ኣብ ዝገበሩሉ፡ እቶም ወከልቲ ናይ ጸጥታ ሽግር ከምዘለዎምን፡ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎት ክግበሩ ዝግበኦም ምምሕያሻት ክገልጽሎም ከለዉ፡ እቶም ሓለፍቲ ን ውሕስነት ናይ ጸጥታን ሰላምን፡ ኣብ’ቲ መዓስከርን ከባቢኡን ንክህሉ ምስ ኩሎም ኣካላት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፉ ኣካላት ብምትሕብባር ኩሉ ዓቅሞም ከምዝገብሩ ቃል ከምዝኣተውሎም፡ እቲ መንጪ ሓበሬታ ይገልጽ።

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ኣብ መዓስከር ክነብሩ ዝጸንሑ ኤርትራውያ፡ ስደተኛታት ብዙሕ ጉድኣት ከምዝወረደን፡ መሰረታዊ መዓልታዊ ጠለባት ህይወት ንምብጻሕ ኣብቲ ቦታ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ይሕበር። ብተወሳኺ መዓስከራት ሽመልባን ሕንጻጽን፡ ብዘይሰብ ተሪፉ ከምዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ዝመጹ ስደተኛታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

twenty − 2 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

OPINION:- ክልተ ተደሚሩን ረቢሑን ኣርባዕተ’ዩ !!!

0
ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ከይዲ ንጹር ሓሳባዊ  መልሲ ዘየቀመጥካሉ ሕቶ  ተሓንጊጥካ ምምራሽ ማለት  ከም ምስ መዓልታዊ  ተገቲሩ ዝጸንሓካ ማዕጾ ገዛኻ  መዓልታዊ  ምግጫው ማለት ኢዩ ። ህውሓት...

HOME:- ሸርክነት ትካል ኩሉሊን መንግስቲ ኤርትራን ይብተኽ

0
ዳናኪል፥ ኣውስርትራልያዊት ኩባንያ፥  ኣብ ደንከል ንጥፈታት ዕደና ፖታሽ ምድህሳስን ነቲ ዕደና ዘድሊ ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነበሮ ሓምሳ ምኢታዊ ...

HOME:- ናይ ወጻኢ ሓይልታት ን መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ማይክ ሃመር ሓቢሩ

0
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር፡ ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳብ 16 መስከረም 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ኣብ ማእከል...

Latest Articles