ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ጸገም ምህላዎም ተሓቢሩ

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR)፡ ካብ 4 ጥሪ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጀሚሩ ንሰሙን ዝኣክል ኣብ ዘካየዶ ዳህሰሳዊ ገምጋም፡ ሰብኣዊ ኩነታት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ደረጃ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ህይወቶም ብስጋኣት ከምዝሕልፉ ዝሓበር እቲ ትካል፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ግጭትን ዘይምርግጋእን ከምዝሎ፡ መራኸቢ መንገድታት ኣብ መብዛሕቱ ክፋል ናይ’ቲ ክልል  ብቀሊሉ ክጥቀመሉ ከምዘሸግርን፡ ክሳብ ሕጂ ውን ኣብ ዝበዝሐ ቦታታት፡ ኣገልግሎታት ኤለክትሪክ፥ ባንክን ተሌፎንን  ብዘይምህላዉ፡ ኣብ መነባብሮ እቶም ስደተኛታት ዓቢ ጸገም ፈጢሩ ከምዘሎ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ማይዓይንን ዓዲ ሓሩሽን፡ ኣብ ዝተገብረ ቃለ-መሕተትን ምስ ስደተኛታት ብጉጅለ ኣብ ዝገበርዎ ምይይጥን፡  ማይን መግብን ንሰሙናት ከምዘይነበሮም፡ ትምህርቲ፡ ኣገልግሎት ጥዕናን ካልኦት ኣገልግሎታትን ምሉእ ብምሉእ ጠጠው ከምዝበለን ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ብካልእ ወገን ጸጥታዊ ኩነታት ቀንዲ ጸገም ሙዃኑ፡ ዘይተፍልጡ ዕጡቃት ጉጅለታትን፡ ውልቀ-ሰባትን ብለይቲ እንዳ መጹ ዘረፋ ከምዘካይዱ እቶም ሰደተኛታት ከምዝሓበርዎም እቲ ትካል ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ። ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት፡ ቀይሕ መስቀል ቀረባት ማይን መግብን ንክቅጽል ተዳሊዩ ከምዘሎ፡ ጉዳይ ስደተኛታትን ንካብ ስደት ተመልስትን ዘመሓድር ትካል መንግስቲ ኢትዮጵያ  ኣራ (ARRA) ዳግማይ ኣገልግሎት ጥዕና ምሃብ ክምዝጀመረ እቲ ትካል ኣብሪሁ።

ኩነታት እቶም ኣብ ከባቢ ሽረ ዝርከቡ ልዕሊ 4000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ፣ካብ መዓስከራት ሕጻጽን ሽመልባን ዝመጹ ሓደስቲ መጻእቲን ወሲኽካ ንምንባር. ኣብ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ከምዝርከቡን፡ እቲ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣራ (ARRA) ክሕዞ ዝኽእል ዓቀን ስለዝበጽሐ፡ እቶም ስደተኛታት ብዘይ መዕቆቢ፡ መግብን ማይን ኣብ ጎደናታት ተደሪቢዮም ከምዘለዉ እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ውዱብ ሑቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት (UNHCR)፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ ዝጅምር ክሳብ ሕጂ ኣብ ማዓስከራት ሕጻጽን ዝኾነ ቀረብ ይኹን እቶም ስደተኛታት ዘለውዎ ኩነታት ክፈልጥ ክብጽሕ ከምዘይካኣለ ይሕብር። እንተኾነ ግን ኣብተን ማዓስከራት ዕንወትን ጸጥታዊ ሽግር ከምዘሎ ካብ መራኸቢ ብዙሓንን ዝተፈላለዩ ጸብጻባትን ክግንዘብ ከምዝኸኣለ ትካል ስደተኛታት ው.ሕ.ሃ ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽን ሽምልባን መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደ፡ ሰቲት ካብ ሳትላይት ንዝተረኽበ መወክሲ ብምጥቃም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጽብና ምንባርና ይዝከር።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተዓቕቡሉ መዓስከራት መጥቃዕቲ ተኻይዱ

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

9 + 12 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

OPINION:- ክልተ ተደሚሩን ረቢሑን ኣርባዕተ’ዩ !!!

0
ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ከይዲ ንጹር ሓሳባዊ  መልሲ ዘየቀመጥካሉ ሕቶ  ተሓንጊጥካ ምምራሽ ማለት  ከም ምስ መዓልታዊ  ተገቲሩ ዝጸንሓካ ማዕጾ ገዛኻ  መዓልታዊ  ምግጫው ማለት ኢዩ ። ህውሓት...

HOME:- ሸርክነት ትካል ኩሉሊን መንግስቲ ኤርትራን ይብተኽ

0
ዳናኪል፥ ኣውስርትራልያዊት ኩባንያ፥  ኣብ ደንከል ንጥፈታት ዕደና ፖታሽ ምድህሳስን ነቲ ዕደና ዘድሊ ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ ከካይድ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ፕሮጀክት ዝነበሮ ሓምሳ ምኢታዊ ...

HOME:- ናይ ወጻኢ ሓይልታት ን መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ማይክ ሃመር ሓቢሩ

0
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር፡ ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳብ 16 መስከረም 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ኣብ ማእከል...

Latest Articles