ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ሽወደን ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዝተጀመረ ገበናዊ ክሲ ከምዘይትቅጽሎ ተሓቢሩ

ሽወደን ነቲ ንዕስራ ዓመት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዝርከብ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ክሲ ንምምስራት ይስራሕ ከም ዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካሮሊና ዋይስላንደር ዝተባህለት ኣኽባሪት ሕጊ ሽወደን፡ ብዝገበርክዎ መጽናዕቲ መሰረት፡ እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራ፡ ሓደ ወይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ሰባት ንምኽሳስ ትጽቢት ምግባር ብግብሪ ዘይከኣል ከምዝኾነ ሓቢራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ (Reporters without borders) ናይ ዝተባህለ ትካል ጨንፈር ኣብ ሽወደን፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ብዘይዝኾነ ክሲ ናይ ሕልና እሱር ከምዝኾነን፡ ጉዳዩ ብቤት ፍርዲ ሽወደን ክረአን ፕረዚደንት ኤርትራን፡ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓዊስካ፡ ሸውዓተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ፡ ገበናት ኣንጻር ደቂ ሰባት (Crimes Against Humanity) ፡ ምስቓይ፡ ምስዋርን ብምጭዋይን ዝኣመሰሉ ገበናት ስለዝፈጸሙ፡ ክኽሰሱ ኣለዎም ክብል ናብ  መንግስቲ ሸወደን ጥርዓን ከምዘቕረበ ይዝከር። ኣኽባሪት ሕጊ መንግስቲ ሽወደን፡ ካሮሊና ዋይስላንደር  ኩሉ እቲ ዝተባሃለ ገበናት ከምዝተፈጸመን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን እንተኾነ’ውን እቶም ገበናት ይፍጸሙ ከምዘለው ከምትኣምነን ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢራ። ብመሰረት ብ2014 ዝጸደቀ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ገበናት ኣንጻር ደቂሰባት ንዝፈጸሙ ናይ ምኽሳስ ዘኽእል  ሕጊ፡ ነዞም ገበናት ምርኣይ ዝከኣል እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ዝቐረበ ጥርዓን ክሲን ብ ቤት ፍርዲ ክርአ ክግበር ዝጸንሐ ስራሕ ከምዘይቅጽል ሓቢራ።

እዛ ኣኽባሪት ሕጊ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ ነቲ ክሲ ምምስራት ዘድሊ ጭብጥታት ካብ ሽወደንን ካብ ካልእ ሃገራትን ክእከብ ይካኣል ኡኳ እንተኾነ፡ መርመራታት ኣብ ኤርትራ ክካየድ ስለዘለዎ፡ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ድማ ኣካል ናይ’ቲ መርመራ ስለዝኾኑ፡ ንክታሓባበሩ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጽቢብ ከምዝኾነን፡ ነቲ መስርሕ መርመራ ይኹን ክሲ ንከይትቕጽሎ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑን ትሕብር።

እዚ ብ ኣኽባሪት ሕጊ ሽወደን ዝተዋህበ ምኽንያት፡ ንብዙሓት ን መሰል ጋዜጠኛታት ዘጣበቁ ትካላትን ውልቀሰባት ከምዘቖጥዖምን ነቲ ውሳነ “ዘይሰብኣውን ጨካንን” ኢሎም ክገልጽዎ ከለው፡ ነቲ ምኽንያት ከኣ ” ስግንጢር እዩ” ዝብል ስያመ ሂቦሞ ምህላዎም ብሰፊሑ ይግለጽ ኣሎ።

ዳዊት ኢሳቅ፡ ብ 23 መስከረም 2001 ካብ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ግዜ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ይሰርሕ ምንባሩ ይፍለጥ። ዳዊት ኢሳቅን መሳርሕቱን  ክሳብ ሕጂ ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ዓመታት ካብ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ምዃኖም ጸብጻባት ይገልጹ።

ዳዊት ኢሳቕ ብ 1978 ብሰንኪ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ናብ ሽወደን ከምዝተሰደን፡ ብ2001 ድማ ኣብ ስርሓት ሜድያ ንምስታፍ ናብ ሃገሩ ኤርትራ ተመሊሱ ይሰርሕ ምንባሩን ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

twenty + 18 =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- ሱዳን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ጀሚራ

0
ድሕሪ እቲ መንግስቲ ሱዳን ብናይ ኢትዮጵያ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ 7 ወተሃደራት ሱዳን ኣጋጢሙ ዝተባህለ ኣሰቃቂ ኣቀታትላን ምዝርጋሕ ስእልታቶም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያን፡ ሱዳን ሕነ እቲ...

NEWS:- ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ዙር ኣድርያቲኮ ኣንበሳ ዓቀብ ኮይኑ

0
ንሓሙሽተ ዙራት ክሰላሰል ዝጸንሐ ዙር ኣድርያቲኮ ሎሚ ኣብ ዝተዛዘመሉ፡ ብድምር ግዜ ናትናኤል ተስፋጽዮን ን ፍሊፖ ዛና ብምስዓብ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ ከሎ፡ ብድምር ነጥቢ ኣንበሳ...

HOME:- በዓልቲ ቤት ቀሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ጽገወይኒ መኮነን ዓሪፋ

0
በዓልቲ ቤት እቲ ካብ 2004 ጀሚሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ቐሺ ገብረመድህን ገብረጌርጊስ፡ ወይዘሮ ጽገወይኒ መኮነን ከምዝዓረፈት ካብ ብዙሓት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታ ይፍለጥ። ኣብ 2004...

Latest Articles