ሰንበት 4 ሰነ 2023 | 6:46 ድ.ቀ

HOME:- ” መሰለይ ‘ዩ “

ብዙሕ እዋን ኣብ ሞንጎ እዞኦም ክልተ ተፋጠጥቲ ኣተሓሳስባታት : ማለት ደምበ ፍትሕን ህግደፍን : ዝርአ ገለ ኣፋዊ ግጥም ወይ ሞጎተ : ኣብ ዝፍጠረሉ ግዜ ‘ቲ ሎሚ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ‘ዚ : ሓደ ሓቁ ‘ዩ ብምባል ሓቢሮም ዝሰማምዕሉን : ዝደጋገፍሉን : ወይ ዝደናገጽሉን ሓሳብ መሰልካ እዩ ዝብል ‘ዩ :: ወላ ‘ኳ ከም ሰብ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣዕናዊ ናይ ውልቀ-ሰባት ሓሳብ ኣፍሪስካ : ናብ ‘ቲ ህዝቢ ከሳማምዕ ዝኽእል ህዝባዊ ዝኾነ ምእኹል ባይታ ንምፍጣር ይኹን ንምህናጹ ገለ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሕዱር ባህጊ ዘለኒ ሰብ ‘ተኾንኩ : ኣብ ከምዚ ዓይነት ፍሩስ ናይ ይምሰል ሓሳብ ዝተመርኮሰ ስምምዕ ዝሰረተ ዘተ ዝዓረደ ሕብረተሰብ ክርእይ ግን ንምፍራሱ ‘ውን : ሓደ ካብቲ ባህ እናበለኒ ዝዕጠቆ ስራሕ ‘ዩ ::

ገለ ኣገዳሲ ኣጋጣሚታት ተፈጢሩ : ‘ዞም ክልተ ሰማይ ጠቀስ ኣተሓሳስባታት ይኹኑ ካልኦት ኣታሓሳስባታት : ኣብ ዘተ ኣብ ዝጽመድሉ እዋን ንኹሉ ብኣፎም ዝፈስስ ዘበለ የዕናዊ-ምኽንያታዊ : ንምግባር ከምዚ ክብል እኮ መሰለይ ‘ዩ ዝብል ናይዚ ዘለናዮ ወቅቲ እዚ ግኑን ፍረ ክህብ ዘይተራእየ ክርዳድ ዘርኢ ይድርብዩ ‘ሞ ! ብወገን ሰማዕቲ ይኹኑ ተማጎቲ ነቲ ሓሳብ ዘይቅበልዎ ክንሶም : ሓቁ መሰሉ ‘ዩ ! ብምባል ደገፎም ከድምጹ ምስማዕ ብዙሕ እዋን ካብ ዝኸውን ናይ ነዊሕ ኣድማጺኦም ‘የ ! ‘ተኾነ ግን መሰል ‘ታይ ምኻኑ ብምርዳእን ምስትውዓልን : ዘይኮነስ ነቲ መሰል ሰብ ንምኽባር ዝብል ጥራይ ናይ ሓቢርካ ነብስኻ ኣብ ምሽፋጥ ዘሎ ትርጉም ኣልቦ : ማለት ትርጉም ዘይህብ ኣባህላ : ኣማእኪሎም ሓቁ ‘ዩ ! ሓቁ ‘ዩ ! ብምባል ግዝያዊ ውልቃዊ ሓሳባቶም : ንምትፋእ መሰል ናይ ምባልን-ምብህሃልን ዘኽበሩ እንክመስሎም ነታ መሰለይ ‘ዩ ! ትብል ቃል ጥራይ ኣወንታዊ መልሲ ብምሃብ ነቲ ምስ መሰል ይኹን ምባልን ምብህሃልን ዘራኽብ ዘይብሉ ሕማቑ-ጽብቑ እኩብ ተጽዑኖታት : እሱ ብመሰለይ ‘ዩ ! ንሶም ብመሰልካ ‘ዩ ! ኣብ ዝብል ንመሰሎም ይኹን መሰል ካልኦት ኣብ ዘይመስሎ ስምምዕ ሓቢሮም ከም ማይ ድጋም ክሕጸብዎ ንርኢ ::
እዚ ዋላ ‘ኳ ነቲ መሰል ናይ ምኽባር ዘለዎም ባህጊ ዘርኢ ኣወንታዊ ዕቤት ‘ዩ : ብምባል ከደናግረና ዝኽእል ቁኑዕ መሰል ኣፋዊ ግብረመልስታት : ክሕወሶ ዝኽእል ‘ተኾነ : መሰል እንታይ ምኻኑ ክሳብ ዝጠፍኣካ : ብቀይዲ-በተኻዊ መገዲ ክሳብ ክንድዚ ካብ ሰሜን-ንደቡብ ምሕምባብ : ግን ክኣ ካልእ ሓደጋ ክትፈጥር ዘተባብዕ : ንሕገ ኣልቦ ምኽምስማስ ወይ ምትእንጋድ ‘ውን ምኻኑ ምስትውዓል የድሊ ‘ዩ :: ‘ዚ ኣገጣሚታት ‘ዚ ኣብ መንጎ እቲ ደምበ ፍትሕን ህግድፍን : ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክልተ ሰማይ ጠቀስ ዝበልናዮ ኣተሓሳስባታት : ጥራይ ሓሓሊፍካ ዝርአ ኣፋዊ ተኹሲ ዘይኮነስ : ኣብ ሞንጎ ‘ቲ ሓደ ዓይነት ሕቶን-ምኽንያትን ኣሎኒ ዝብል : ብደምበ ፍትሒ ዝፍለጥ ተራጻምን-ተናጻጻልን : ኣተሓሳስባታት ፈጢሩ ዘሎ ከይተረፈ ‘ውን ንቡር መህድኢ መኣዲ ዝጥቀምሉ : ናይ መዓልታዊ ግኑን መውረዲ መግቢ ‘ዩ ::

ዛዕባና

  1.  መሰል ማለት እንታይ ማለት ‘ዩ ?
  2. መሰል ደረት ኣለዎ ዶ ?
  3. መሰል ንመንን-ኣበይን ብዝብል ዝተሓጽረ ድዩ ?

1. መሰል ማለት እንታይ ማለት እዩ?
መሰል ማለት ቃል-ብቃሉ ግቡእ ወይ ብጽሒት ማለት ‘ዩ !!! እዚ ማለት ክትገብሮ ዝግበኣካ ክትገብር ዝግድድን : ከምኡ ‘ውን ዝብጸሐካን ብማዕረ ብምምቃል ወይ ክትምቀል ዝከላኸል ሕጊ ምህላዉ የድምጽ :: መሰል ማለት ዝርዝር ስርሑ ወይ ዋኒኑ ነቲ ኣብዛ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ዘድምጽ : ኮይኑ ድኣ ንርከቦ እምበር : ቃል-ብቃሉ ትርጉም እዚ ኩሉ ሒዙ ንረኽቦ ሓባራዊ ድምጺ ዝረኸበ : ሕጋዊ ስምምዕ ናይቶም ዘማእከልዎ ኣካላት ማለት ‘ዩ :: ስለዚ መሰል ማለት ስምምዕ ወይ ዉዑል ብምብል ክትድምድሞ ኣየጸግምን እዩ ::

ንድገሞ መሰል ማለት ሕጋዊ ስምምዕ ወይ ተማእከለ ውዑል ማለት እዩ ::

2. መሰል ደረት ኣለዎ ዶ?

መሰል ማለት ንኽትገብሮ ዝግባኣካ : ወይ ዝብጽሐካ : ዝከላኸል ብሕጊ ተማእከለ ስምምዕ ‘ዩ ካብ በልና : ስምምዓት ኣብ ሓደ ዓንኬል ዝቆሙ ምኻኖም ምስ ትርዳእ : መሰል ደረት ዘለዎ ምኻኑ ከተስተውዕል ኣይትጽገምን :: ‘ዚ ማለት መሰል ደረት ምስ ዘይህልዎ እቲ ምእኩል ስምምዕ ክፈርስ ይርአ ‘ሞ ቀይዲበተኻዊ ኣካይዳ ይሕዝ : ወይ ብቀይደ በተኻውያን ሓያላት ይውነን ::

ስለዚ መሰል ክትገብሮ ዝግበኣካን : ከም ውጽኢቱ ‘ውን ብጽሒትካን ዝከላኸል : ሕጋዊ ደረት ዘለዎ ምእኩል ስምምዕ ‘ዩ ::

3. መሰል ንመንን ኣበይን ዝተሓጽረ ‘ዩ ?

መሰል ምእኩል ሕጋዊ ስምምዕ ‘ዩ :: ካብ በልና : መሰል ንመንን ኣበይን ዝተሓጽረ ንዝብል ሕቶ ?
መሰል ኣብቲ ዝድለ እኩብ ሓሳብ ማለት ክኸውን ዝጽውዖን ክግዝአሉ : ብስምምዕ ዘቀምጦን ሓሳብ : ብማዕረን-ሚዛናዊን ናይ ምቅሊትን ሃልክን : ንምፍጣር ዝጸደቅ ውዑል ወይ ስምምዕ ተቀመጠ ትሕዝቶ እቲ ሓሳብ ተደረተ ‘ዩ :: እዚ ማለት መሰል ኩሉ ግዜ : ንዝተፋላለየ ኣታሓሳስባዊ ዓውድታት : ብዝተፋላለየ መገድታት ኣብ ዝተፋላለየ ዓውድን : ዓድን : ሃገርን :ኣህጉርን : ብድሌት ሓተቱ ዝፍጠር : ሕጋዊ ስምምዕ ኮይኑ : ንነፍሲ ወከፍ መሰል ውልቀሰብ ወይ ማሕበር : ብመገዲ እቲ ስምምዕ ክከላኸልን-ክግድድን ዝቅመጥ ሕጋዊ ስምምዕ ‘ዩ :: ስለዚ መሰል ኣብ ዝተፋላለየ ዓውድታት : ብልክዕ ኢዱ ብምውጥዋጥ : ንመንን :ኣበይን : ብኸመይን : ብንጹር ኣባላቱ ዝውንን ስምምዕ ወይ ውዑል ውዓልቱ ‘ዩ ::

ሓጺር ናይዚ ጽሑፍ ትንተና

ኣብዚ ጽሑፍ ‘ዚ : ብዝያዳ ነቲ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ክሳብ ኣብዚ ታሕቲ ዘሎ ብምርኣይ : ገለ ኣብነታት ብምሃብ ነቲ ሓሳብ ናብ መዓልታዊ ማሕበራዊ : ሂወትኩምን-ሂወትናን ክትንትኖ ክፍትን ‘የ :: መሰል ምእኩል ሕጋዊ ስምምዕ ‘ዩ :: መሰል ካብ ውልቀሰባት ጀሚሩ :ክሳብ ኣብ ዙርያ ስምምዑ ዝርከቡ እኩባት ይኹኑ ዘይእኩባት :ንኽከላኸልን ክግድድን ዝርአ ስምምዕ እዩ :: መሰል ካብ ብዝተፋላለየ ኣቃውማ ዝሕዛእ ናይ ሓተትቱን ፈጸምቱን ስምምዕ ኮይኑ : ቀንዲ ዕዮ ስርሑ ሕዙኣት ( ግዙኣት ) እቲ ስምምዕ ኣብ ስምምዖም ብማዕረ ተኻፈልትን ፈጸምትን ጌርካ ምቅያድ ‘ዩ ::

ሃልኪ !!!

ብዙሕ እዋን : ሓደ ኣብ ደምበ ፍትሒ ዝርከብ ኣካል : ምስ ሓደ ኣብ ህግደፍ ዝነጥፍ ውልቀ ሰብ : ዘተ ኣብ ዝፈጥረሉ እዋን : መሰሉ ክሕሉ ካብ ተላዕለ : ውሽጣዊ ባህጊ ንኹሉ እቲ ዝብሎ ክሰምዖ ይፍትን ‘ሞ : ኣብ መወዳእታ ተቃውምኡ ከስምዕ ክብል ግን : ከምዚ ክትብል መሰልካ ‘ንድዩ : ብዝብል ሓሳቡ ከቀምጥ ምስ ዝፍትን : ወላ ‘ኳ ተበግስኡ ንሰናይ ‘ተኾነ : ነቲ ምኽንያታዊ ሓሳቡ ኣፍሪሱ : በቲ ዛዕባ ኣብ ውልቃውን ግዝያውን : ስምዒታት ተማእኪሉ : ይዕቆብ ክሳብ ዘሎ :ሓሳቡ ዓንዩን-ደምሲስዎን ከም ዘሎ ክርዳእ ጽቡቅ ‘ዩ :: እቲ ሓደ ህግደፍ ዝበሎን ዝዛረቦን ከም መሰል ምስ ዝወስዶ ‘ቲ ሰብ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽናዮ ስምምዕ ኣትዩ ይዝቲ ምህላዉ የድምጽ :: ብቀጥታ ምስ ዝርአ ነቲ ብሓደ ህግደፍ ዝብሃል ከም መሰል ምስ ዘቀምጦ ምስቲ ተቃዋሚ ‘የ ዝብል ኣተሓሳስብኡ ገዛእ ነብሱ ክራጸም ይገብሮ ! ነቲ ፍትሒ ዝብል ሕትኡ ምኽንያታዊ ኣብ ዘይኮነሉ ባይታ የውድቆ ::

ስለዚ ናብ ዘተ ክትኣቱ እኮ ንቡር እንተኾነ ናብ ዘተ ዝእትወካ ድሌት ድኣ እምበር መሰል ኣይኮነን : ኩሉ ሓደ ዘተ ትሰምዖ ዘበለ ድማ መሰል እዩ ማለት ኣይኮነን :: እዚ ክኸውን ዝገብሮ ከም ተቃወምቲ መሰረታዊ ሕቶና ሕቶ መሰል እዩ :: መሰል ማለት እንታይ ምኻኑ ‘ውን ኣብ ላዕሊ ብተዳጋጋሚ ከቀምጦ ፈቲነ ኣለኹ :: ስለዚ ሕቶና ሕቶ መሰል ካብ ኾነ ሕጋውን-ሓባራውን ዝኾነ ዝተሰማማዕናሉ ንጹርን-ኣድማጽን ከምዝን : ከምትን ዝብል መደቀሲ ኩልና ዝኾነ መንጸፍ-ሓሳብ የድሊ :: ‘ተዘይኮይኑ ዘርከበ መጺኡ ዝወስዶን ዝቅንጥጠካን : መጎልበቢ ተጎልቢብካ ንግሆ ምድሪ ቀባሕባሕ ‘ናበልካ : ከም ሰብ መሰልካ ኸሎ ግን ክትወስዳ ኣይነበረካን ዝዓይነቱ ነገር ‘ዩ ዝኸውን :: እዚ ማለት ድማ ምውሳዱ ጌጋ ኣየስምዕን ‘ዩ ! እዚ ክኸውን ዝገበሮ ክልተኣዊ ስምምዕ ወይ ውዑል ስለ ዘይተገብረ ድኣ እምበር ስምምዕ ዝነብሮስ ኣዛራቢ ‘ውን ኣይምኾነን :: ክሳብ እዚ ስምምዕ እዚ ዘይተገብረ ግን እቲ ዝተገብረ ፍጻመ ናይ ነውጺ ፍጻመ ‘ዩ !

ስለዚ ከም ደምበ-ፍትሒ ( ተቃወምቲ ) ሕቶና ሓባራዊ ወይ ምእኩል ስምምዕ ዘይብሉ ቀይዲ-በተኻዊ ሃገር ኮይኑ ዝብል ሕቶ ከም ንሓትት ዘይምዝንጋዕ ::

ካልእ መሰል ኣብ መንጎ እቶም ምስኡ ዝርከቡ ኣካላት ጥራይ ዘይኮነስ : ክኒኡ ብሕጋዊ መገዲ ወይ ብስምምዑ ክእንግድ ዝኽእል ሓሳብ ‘ውን ‘ዩ ! እዚ ዝኾነሉ ነቶም ካብ ውሽጢ ‘ቲ ሃገር ወጻኢ ዝነብሩ ካልኦት ደቂሰባት ምንእንጋድ ዝቅመጥ ‘ዩ ! ነዚ ‘ዞም ኣብ ስደት እትነብሩ ሰባት ሓድሽ ክኸውን ኣይክእልን :: መቸም መሰል ከከም ዓውድታቱን ስምምዑን እዩ ክብል ፈታቲነ ኔረ ይኸውን ‘የ : መሰል ኣባላቱን ከእንግዶም ዝመረጸን ዝደናገጸሎምን ብሕጋዊ መገዲ ብልክዕ ዘጻጸየን ኣብ ስምምዑ ዘቀመጠን ውዑል እዩ :: ዝርዝራት መሰል እዚ ተባሂሉ ክውዳእ ዘይክእል ስምምዕ እዩ :: ተጠቃምን-ዘይተጠቃምን ናይቲ ስምምዕ ወይ መሰል ንምፍላጥ ግን እቲ ሕጋዊ ውዑል ናይቲ መሰላዊ ስምምዕ ምርኣይ የድሊ :: ገለ ኣብነታት ናይዚ መሰል እዚ ተጠቃሚ ንሙኻን ኣብተን ነዚ ስምምዕ እዚ ዘቀመጣን ዝተሰማማዓ ሃገራት ክትህሉ ኣሎካ ::

1. ከቢድ ናብ ጻዕሪ ሞት ዝእቱ ሓደጋ ኣብ ዝገጥመካ ነብስኻ ትንፋሳ ክትሓልፍ ብፍቃድካ ናይ ምውሳን መሰል ክትሓትት ኣብተን ነዚ መሰል እዚ ስምምዕ ዘለወን ሃገራት ክትህሉ ኣሎካ

2.ንሓንቲ ናይ ጥንሲ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ብሕክምናዊ መገዲ ክትንጽሎ ምስ ትደሊ ናይ ምንጻሉ ተኽእሎ ኣብቲ ናይዚ ስምምዕ እዚ ዝበጽሓ ሃገራት ጥራይ እዩ ::

3. መሰል ግብረሶደማውያን ንገዛእ ነብሱ ኣፍልጦ ዝረክብ ኣብቲ ነዚ ከም መሰል ተሰማማዓሉን ዘቀመጥኦን ሃገራት ጥራይ እዩ::

መሰል እሞ ኣበይ መወዳእታ ከይህልዎ ብሕጂ ዝፍጠር ‘ውን ማእለያ ዘይብሉ መሰላትን ውዑላትን ክህሉ ‘ዩ !ብዝኾነ መሰል ከምዝን ነዝን ይመስል : ስለዚ ኢና መሰል እዚኦምን ካልኦት ከምዝኦምን ሓዋዊስና መሰል ምእኩል ሕጋዊ ስምምዕ ናይ ሓሰብቱን ቀየስቱን ‘ዩ ኣብ ዝብል ንርዕም !!!

Disclaimer | መተሓሳሰቢ

The views and opinions expressed in " " መሰለይ ‘ዩ " " are those of the author and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media.

ኣብዚ " " መሰለይ ‘ዩ " " ዘርእስቱ  ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይቲ ጸሓፊ/ት እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሜዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።