ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበሩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ሂወቶም ን ምድሓን ብ ዝተፈላለየ መንገዲ ዓድታት ኣቋሪጾም ናብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምብጽሖም፡ ብኣስገዳድን ምክልባትን መግረፍትን፡ ምፍርራሓን፡ ናብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ማዓስከራት ስደተኛታት ክንመልሰኩም ኢና ብዝብል ምስምስ ብ 13 ኣውቶቡስ ተጻዒኖም ብ ሰራዊት ፈደራልን ፖሊስን እንዳ ተጋፍዑ ሎሚ ዓርቢ 11 ታሕሳስ ንግሆ ሰዓት 7 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተበገሱ፡ ሰቲት ካብቶም ግዳያት ብቐጥታ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ ኣረጋግጻ።
እዞም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ግዳያት፡ ካብ ዝተፈላለየ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ማዓስከራት ሰደተኛታት ትግራይ ዝመጹ ኮይኖም ፣ምስቶም ኣቐዲሞም ኣብቲ መአከቢ ማእከል ዝጸንሕዎም ካብ ዝተፈላለየ ሓውሲ ከተማታት ትግራይ ሃዲሞም ዝመጹ ብጾቶም ኣብ ዝተጸንበሩሉ ግዜ ይኹን ብድሕሪኡ፣በቲ ኣብቲ ጉዳይ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ትካል ARRA ይኹን ካልኦት ኣካላት ካብ ሓላፍነት ወሲዱ ዘዘራረቦም ይኹን ክሕግዞም ዝፈተነ ኣካል ከምዘይነበረን፣ኣብ ሞንጎኦም ድማ፣ሓራስ ናይ 45 መዓልቲን ካልኦት ኣዝዮም ብዕድመ ነኣሽቱ ዝኾኑ ናጽላታትን፣ሕዱር ሕማም ዘለዎም ሰባትን ከምዝነበሩን ኣዝዮም ከምዝተሸገሩን ዝገለጹ እቶም ኤርትራውያን፣ ትማሊ ሓሙስ ዕለት10/11 ካብቲ ቦታ ከንቀሳቕስዎም ምዃኖም ዝጠርጠሩ ብቑጽሪ ውሑዳት ዘይኮኑ ኤርትራውያን ክሃድሙ ከምዝፈተነኑን፣እቶም ፍርቆም ክዕወቱ እንከለው፣ ፍርቂ ካብኣቶም ተታሒዞም፣ብዋርድያታት ናይቲ ትካል ብዙሕ መግረፍቲ ከምዝበጽሖምን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ፣ ዋላ እኳ ንሕና፣በቲ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሂወትና ኣብ ሓደጋ ኣትዩ፣ንስክላ ካብ ሞት ወጺና፣ሂወትና ከነድሕን ክንደይ መገዲ ተጓዒዝና መጺና ሕጂ ናብ ዓረርን ጥምየትን ኣይንምለስን፣ኣድላዪ እንተኾይኑ ከኣ ዋላ ናብ ካልእ ውሑስ ትብልዎ ቦታ ውሰዱና ኢሎም፣ እምቢትኦም ኣብ ዘስምዑሉ ፣ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፈደራል ሰራዊት ስለዘሎ፣ ናብቲ ዝነበርኩሞ ክትምለሱ ኢኹም ተባሂሎም፣ብኣስገዳድን ምፍርራሕን ብዕጡቓት ፈደራል እንዳተጋፍዑ ናብተን ኣውቶብሳት ከምዝተሰቐሉ ን ክትሃድሙ ምስ እትፍትኑ ክንቀትለኩም ኢና በዚ ከኣ ፈደራል ሰራዊት ተሓታቲ ኣይኮነን ከምዝበልዎምን ወሲኾም ገሊጾም። እንተኾነ እቶም ኣብ መንገዲ እንከለው ሰቲት ዘዘራረበቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት እቶም ዘጓዓዕዝዎም ዘለው ኣካላት ብዝብልዎ ድኣ አምበር ብርግጽ ናበይ ይወስድዎም ከምዘለዉ ከምዘይፈልጡ ይሕብሩ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ 4 ቦታ ከምዘለዉን፡ 4 ሕዳር ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ድሕሪ ዝተፈጥረ ኲናት፡ ግዳያት ናይ’ቲ ኣብቲ ቦታ ዝተዋፈሩ ሓይልታት ከምዝኾኑ ኣብ ዝተፈላለይ አዋን ክጽብጸብ ጸኒሑ ኣሎ። ይኹን አምበር፡ ብዝኾነ ኣካል ውሕስነቶም ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይተወስደ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።