Tuesday, February 20, 2024

ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ትሳተፍ ኣላ ዝብል ጸብጻብ ተኣማኒ እዩ ክትብል ገሊጻ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኤርትራ ወተሃደራዊ ምትእትታው ጌራ ዝብል ጸብጻብ፡ ተኣማኒ ምዃኑ ሮይቶርስ ን ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ ብምውካስ ሓቢሩ። ሮይተርስ ንኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜርካ ሓቲቱ ኣብ ዝረኸቦ መልሲ፡ እቲ ጸብጻብ ርጉጽ ምኻኑን፥ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ቦታ ክወጹ እታ ኣፈኛ ከም ዝጸወዐት  ኣብቲ ዜና ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ሮይቶርስ ን ገለ ዲብሎማሰኛታት ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዝተሳተፈት ዘረጋግጽ ጭብጥታት ኣሎ ክብል ገሊጹ ምንባሩ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ምስታፋ ዘረጋግጽ ዝኾነ ይኹን ጭብጢ ከምዘይረኸቡ ገሊጹ። እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ምስታፋ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓተትክዎ፡ ብመሰረት ውዕል ሰላም ኤርትራ ዝግብኣ መሬት ዝተባህለ ቦታ ጥራሕ ከምዝኣተዉ፡ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲንት ትሳተፍ ኣላ ዝብል ሓቂ ከምዘይኮነ ገሊጽለይ ክብል ሓቢሩ።

ካብ ኣርባዕተ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ኣብ ጎድኒ ፌደራላዊ መንግስቲ ከምዝተሰለፈት መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክኸሱ ምጽንሖም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብመንጽር እዚ መንግስቲ ክልል ትግራይ ወተሃደራዊ ዕላማ ዝበሎ ንምህራም ናብ ኤርትራ ሰለስተ ግዜ ደብዳባት ሮኬታት ከምዝገበረ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

seventeen + 20 =

Stay Connected

7,418FansLike
635FollowersFollow
18,800SubscribersSubscribe

Latest Articles