ኮምሽን ኣህጉራዊ ናጽነት ሃይማኖት ኣሜርካ (USICRF) ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ጸብጻቡ ኣብ ዘውጽኦ፥ ኤርትራ ካብቲ ቅድሚ ሒጂ ኣትያቶ ዝጸንሐት ዝርዝር ኣሰከፍቲ ሃገራት ኣብ ሃማኖታዊ ናጽነት ክትላቀቅ ከምዘይካኣለት፡ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስን፡ ፍራንስ 24 ዝተባህላ ማዕከናት ሓበሬታ፡ ንመግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ማይክ ፓምፕዮ ብምጥቃስ ሓቢረን።
ኣብቲ ብ 7 ታሕሳስ ዝወጸ ጸብጻብ ናይ 2020 ናይጀርያ ኣብ ጸሊም ዝርዝር ክትኣቱ ከላ፡ ኤርትራ ትርከበን ድማ ኣብ ዝርዝር ኣሰከፍቲ ሃገራት ተዘርዚረን ከምዘለዋ ተሓቢሩ።
ኤርትራ ብምግሃስ መሰል ኣመንትን ሃይማኖትን ክትክሰስ ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ናይ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ሰዓብቲ ኣብ ማእሰርቲ ይሳቀዩ ከምዘለዉ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ 5 ዓመት ክሳብ 26 ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ክሳቀዩ ዝጸንሑ፡ ኣመንቲ ጆሆቫ መሰኻኽር ከምዝተፈትሑ ሰቲት ኣብ ዜናታታ ኣስፊራቶ ምንባራ ይዝከር።
ምስ ኤርትራ ኣብቲ ዝርዝር ሰፊረን ካብዘለዋ ሃገራት ባርማ, ፓኪስታን, ሰሜን ኮርያ, ቻይና, ኢራን, ናይጀርያ, ስዑዲ ዓረብ, ታጃኪስታንን ቱርክመኒስታንን ምኻነን እቲ ጸብጽባ ብተወሳኺ ሓቢሩ።