ሎሚ ኣብ ኣጋ ሰዓታት ንግሆን ናይ ድሕሪ ቀትርን ኣብ ኤርትራ ሮከት ከምዝዓለበ ተሓቢሩ። እቲ ካብ ትግራይ ዝተወንጨፈ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ፡ ሮከት፡ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ፡ ከባቢ ዓዲ ሃሎን፡ ነፋሲትን ከምዝዓለበ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ነዚ ንምርግጋጽ ብመሰረት ሰቲት ናብ ኣስመራ ብምድዋል ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ካብ ርሑቕ ናይ ከቢድ መሳርያ ድምጺ ክስማዕ ከምዝኸኣለ ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ። ብዘይካ’ዚ ካብ ተቐማጦ መንደፈራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ብክሊ ሰማይ መንደፈራ ሮከት ከምዝሓለፈ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ኤርትራ ዓሊቡ ዝተባህለ ሮከት፡ ብልክዕ ኣበይ ቦታ ከምዝዓለበን፡ ዘውረዶ ጉድኣትን ክፍለጥ ኣሸጋሪ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ 14 ሓዳር 2020 ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ ሰለስተ ሮከታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኡን ዓሊቦም ምንባሮም ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ሆስፒታላት ሰንዓፈ፡ ደቀምሓረን ብብዝሒ ውጉኣት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዕለቅሊቁ ከምዘሎን፡ ብተወሳኺ ናብ ከረንን ኣስመራ ይልኣኹ ከምዘለዉን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የፍልጥ።
Aby digtatur