ሓሙስ, ሕዳር 30, 2023

HOME:- ኣብ ኤርትራ ብውሑዱ ኣርባዕተ ሮከት ዓሊቡ

ሎሚ ኣብ ኣጋ ሰዓታት ንግሆን ናይ ድሕሪ ቀትርን ኣብ ኤርትራ ሮከት ከምዝዓለበ ተሓቢሩ። እቲ ካብ ትግራይ ዝተወንጨፈ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ዘሎ፡ ሮከት፡ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ፡ ከባቢ ዓዲ ሃሎን፡ ነፋሲትን ከምዝዓለበ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት። ነዚ ንምርግጋጽ ብመሰረት ሰቲት ናብ ኣስመራ ብምድዋል ዝረኸበቶ ሓበሬታ፡ ካብ ርሑቕ ናይ ከቢድ መሳርያ ድምጺ ክስማዕ ከምዝኸኣለ ከተረጋግጽ ክኢላ ኣላ። ብዘይካ’ዚ ካብ ተቐማጦ መንደፈራ ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት ብክሊ ሰማይ መንደፈራ ሮከት ከምዝሓለፈ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ኣሎ። ብዛዕባ እዚ ኣብ ኤርትራ ዓሊቡ ዝተባህለ ሮከት፡ ብልክዕ ኣበይ ቦታ ከምዝዓለበን፡ ዘውረዶ ጉድኣትን ክፍለጥ ኣሸጋሪ ኮይኑ ይርከብ። ኣብ ዝሓለፈ 14 ሓዳር 2020 ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ ሰለስተ ሮከታት ኣብ ኣስመራን ከባቢኡን ዓሊቦም ምንባሮም ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ሆስፒታላት ሰንዓፈ፡ ደቀምሓረን ብብዝሒ ውጉኣት ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣዕለቅሊቁ ከምዘሎን፡ ብተወሳኺ ናብ ከረንን ኣስመራ ይልኣኹ ከምዘለዉን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የፍልጥ።

Related Articles

1 COMMENT

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

4 × two =

Stay Connected

7,414FansLike
634FollowersFollow
17,500SubscribersSubscribe

From The Author

HOME:- Extremism Threatens Eritrea’s Transition to Democracy, Rule of Law, and Unity

4
The proliferation of extremist ideologies within the Eritrean diaspora community is not only a cause for concern due to the potential escalation of ethnic...

NEWS:- ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ልዕሊ 400 ሰድተኛታት ድሒኖም

0
ካብ ዕለት 24-25 ወርሒ ነሓሰ፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ሂይወት ኣድሒን  Ocean Viking 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ " ኣሽራቕ ኣል-ኣውሳጥ" ዝተባህለት ማዕከን ዜና ኣፍሊጣ።...

NEWS:- ኣብ ሽወደን ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ዝተላዕለ ናዕቢ፤ ልዕሊ 50 ከምዝተጉድኡን ብዙሓት ከም...

0
ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ...

Latest Articles