ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ብሄራዊ ክልል ትግራይን ዝተኸስተ ኩናት ሓድሕድ፣ ካብ ቤት መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ጎረቤት ሱዳን ተዓቒቦም ዘለዉ ዜጋታት ኢትዮጲያ ዝውዕል መበገሲ ዝበሎ ኣርባዕተ ሚሊዮን ኤሮ ከምዝሰለዐ ኮምሽነር ኮምሽን ሰብኣዊ ሓገዝን ምምሕዳር ቅልውላውን ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነ ጃነዝ ላነርሲስ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ገሊጹ።
ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ስዒቡ ዝመጽእ ሰብኣዊ ቅልውላው ንኤውሮጳዊ ሕብረት ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ ዝበለ እቲ ኮሚሽነር፣ ክልቲኦም ወገናት ፣ህጹጽ ምቁራጽ ተኹሲ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ንሱ ብተወሳኺ ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ መንግስቲ ኢትዮጲያ ዝጽበዮ ነገር እንተልዩ፣ “ሓይሊ ምጥቃም ክቑጠብ፣ካብ ብሄር ተኮር ጥቕዓት ክቑጠብ፡ ውሕስነት ሰለማዊያን ሰባት ክሕሎን፣ ብዘይ ዝኾነ ዕንቅፋት ሰብኣዊ ሓገዛት ዝማሓላለፈሉ መንገድታት ክፈጥርን፡መራኸቢ ብዙሃን ነቲ ዘሎ ኩነታት ንክምዝግባ ተኽእሎ ንክህልወን ክገብርን፡ ከሙኡ’ውን ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግር ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረኽበሉን እዩ ኢሉ። ንሱ ኣብ መወዳእታ ምስ ኩሎም ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላትን፣ስደተኛታትን ላዕዕላዋይ ኢድ ዘለዎም ኣካላት እንዳተራኸበ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተሎ ከምዘሎን ፣ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ነቶም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ተዕቁብ ዘላ ሱዳን ዘለዎ ድጋፍ ንምግላጽ፣ናብታ ሃገር ምብጻሕ ክፍጽም ምዃኑ ገሊጹ።
Disclaimer | መተሓሳሰቢ
The views and opinions expressed in " ሕብረት ኤውሮጳ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ናብ ሱዳን ሓገዝ ይምድብ " are those of the author and do not necessarily reflect the official policy or position of Setit Media.
ኣብዚ " ሕብረት ኤውሮጳ ብሰንኪ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ናብ ሱዳን ሓገዝ ይምድብ " ዘርእስቱ ጽሑፍ ተገሊጹ ዘሎ ርእይቶን ሓሳብን ናይቲ ጸሓፊ/ት እምበር መትከላትን መርገጽን ሰቲት ሜዲያ ዘንጸባርቕ ኣይኮነን።