ዓቢ ስግኣት ኣሕዲሩ ዝርከብ ኣብ ከባቢ መቀለ ዝግበር ኲናት ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ። ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ እቲ ን 72 ሰዓታት ዝተዋህበ ግዜ ስለ ዘብቀዐ ናይ መወዳእታ ስርሒት ከምዝተጀመረ ብመገዲ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ኣፍሊጡ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር እቲ 72 ሰዓታት፡ መራሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ሰራዊትን ምልሻን ትግራይ ኢዶም ክህቡ ዝጠልብ ኮይኑ፡ ዝተዋህበ ናይ ግዜ ገደብ ስለዘብቀዐ እቲ ስርሒት፡ ህዝቢ ብዘይጎድእ ኣገባብ ከነካይዶ ኢና ክብል ወሲኹ ገሊጹ፡ እንተኾነ ግን ማሕበረሰብ ዓለምን ዝተፈላለያ ሃገራትን፡ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ብዛዕባ እዚ ብቀዳማይ ምኒስተር ዝተገለጸ ስርሒት ኣብ ህዝቢ ዓቢ ጉዳኣት ከየውርድ ስግኣተንን ስምዕተአንን ከስምዓ ከምዝቀነያ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝቅመጡ ተወለድቲ ናይ ትግራይ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን፡ ነዚ ኩነታት ዝኹንን ሰለማዊ ሰልፍታት ከካይዱ ቀንዮም ኣለዉ። ብፍላይ ድሕሪ እቲ ንከተማ መቀለ ንምትሓዝ ዝግበር ስርሒት ኣምልኪቱ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ብዙሕ ሰብ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከተማ መቀለ ዓቢ ጉድኣት ከይወርድ ስግኣት ሓዲርዎ ከምዘሎ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ክገልጽ ጸኒሕዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ኣብ ህይወትን ንብረትን ዓቢ ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝጠቅሱ ዘለዉ ኮይኖም፡ ብዛዕባ ዝወረደ ሞትን ዕንወትን ግን ብነጻ ኣካል ንምፍላጡ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኮይኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።